Layout A (with pagination)

ሓመልማሎ – ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀን ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ንዝተዋደዱ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት መሪቖም። እቲ ብ15 ሕዳር ዝተመረቐ ፕሮጀክትታት፡ ዲጋ ባሸሪ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ስርዓተ-ቀረብ ማይ ድገ-ምራድ፡ ከምኡ’ውን ዲጋ ሙሻን መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኣጀርበብን የጠቓልል። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ...

Read More
መደበር ጥዕና ‘ኣዩመን’ ብተገልገልቲ ትምጐስ

መደበር ጥዕና ‘ኣዩመን’ ብተገልገልቲ ትምጐስ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ – ምምሕዳራት ከባቢ ኣዩመን፡ ፈረርን ዓሳጋላን፡ ተጠቃምነት ኣብ ትካላት ጥዕና ዘተባብዕ ዕብየት ከም ዘመዝገበ፡ ሓላፊ መደበር ጥዕና ኣዩመን ተሓጋጋዚ ነርስ ኣንሰራ መሓመድ ሓቢሩ። ተሓጋጋዚ ነርስ ኣንሰራ፡ እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣብታ መደበር ጥራይ ዝተደረተ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ እናተንቀሳቐሱ ዘካይድዎ ጐስጓሳት ኣብ ዓወት ናይ’ቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ። ኣዴታት፡ ኣገዳስነት ምክትታል ቅድሚን...

Read More

ኣውቶቡሳት ‘ዓወት’፡ ጸገም መጓዓዝያ ኣብ ምቅላል ይነጥፋ

ማሕበር ወነንቲ ኣውቶቡሳት ‘ዓወት’፡ ወርሓዊ ንኣስታት ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እናሃበ፡ ጸገም መጓዓዝያ ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ መብራህቱ ነገደ ሓቢሩ። ኣቶ መብራህቱ፡ ካብ 20 ክሳብ 62 መናብር ዘለወን 656 ኣውቶቡሳት ዝጥርንፍ ማሕበሮም፡ መዓልታዊ – ኣብ ዞባ ማእከል ንኣስታት 3000፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣስታት 1600፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣስታት 1800፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ልዕሊ 1000፡ ኣብ...

Read More

ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዓይነት ንምድራዕ ይስራሓሉ

ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዓይነት ንምድርዑ መድረኽ ዝጠልቦ እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ሓላፊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን፡ ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ገሊጾም። ሚኒስተር ሰመረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ መጀመርያ ናጽነት ካሪክለም ኣዳሊኻ፡ መሳለጥያታትን ጠለባትን ትምህርትን መማህራንን ቀሪብካ ኣገልግሎት ትምህርቲ ምጅማር ክብድ ዝበለ’ኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ...

Read More

ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ፡ ንኣባላቱ ብምርባሕ ንህቢ ኣሰልጢኑ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ.) – ጨንፈር ዞባ ደቡብ፡ ን30 ንኣባላቱ ብዛዕባ ምርባሕ ንህቢ ስልጠና ሂቡ። እቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተዋህበ ብግብራዊ ስራሕ ዝተሰነየ ስልጠና፡ መሰረታዊ ኣምራት ዓሌታት ንህብን ምሕደራኦምን፡ ረብሓታትን ብልጫታትን ዘበናውን ያታውን ቆፎታት፡ ኣገባብ ምክልኻል ተጻባእቲ ንህቢን ሜላታት ምብዛሕ ዕስለታት ንህቢን ዘጠቓለለ ነይሩ። ብ10 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡...

Read More

Login

Categories