Layout A (with pagination)

ነበርቲ ከተማ ድባርዋ ወፈራዊ ዓጺድ የካይዱ ኣለዉ

ነበርቲ ከተማ ድባርዋ፡ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝዘርኦ ኣስታት 500 ሄክታር ስገምን ስርናይን፡ ናይ ዓጺድ ወፈራ የካይዱ ኣለዉ። ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዘሎ ክኢላ ልምዓት ዘራእቲ ናይ’ቲ ኮርፖረሽን – መንእሰይ መድሃኔ ገብረመስቀል፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምዕባይ ዝተበጋገሰ መደብ፡ 460 ሄክታር ስገምን ስርናይን፡ 40 ሄክታር ድማ ኣልፋ-ኣልፋ ከምእተዘርአን፡ ድሮ እቲ ናይ ዓጺድ...

Read More
ዓሰብ – ኣብ ገስጋስን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ተዘትዩ

ዓሰብ – ኣብ ገስጋስን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ተዘትዩ

ኣብ ዝሓለፈ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዘመዝገባኦ ምዕባለታትን ዘጋጠመን ብድሆታትን ዘነጽር ዓውደ-ዘተ፡ ብ5 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ተኻዪዱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ምሕያል ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ድልዱል መሰረት ንብልጽግና ሃገር ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተሰላሰለ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ዝተዋደደ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ድማ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ሰፊሕ ባይታ...

Read More
ንድሕነት ሓራምዝ ዕቱብ ምክትታል ክግበር ይሕተት

ንድሕነት ሓራምዝ ዕቱብ ምክትታል ክግበር ይሕተት

ሃድን ሓራምዝ ብምግታእ ኣብ ልዕሊኦም ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ምጽናት ንምቕንጣጥ፡ ኣብ ምክትታልን ምምሕልላፍን እዋናውን ጽጹይን ሓበሬታ ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ብ29ን 30ን ሕዳር ኣብ ከተማ ባረንቱ ተዋሂቡ። እቲ ኣብ ክሊ ሓራምዝ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝነጥፉ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻን ሓለፍቲ ቊጠባዊ ልምዓትን ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ መረዳእታ ናይቶም ኣባላት ብምዕባይ – ብፍላይ ኣብ ምትሕልላፍ እዋናዊ ሓበሬታ ኩነታት ሓራምዝ ክኽተልዎ ዝግብኦም መምርሒታት...

Read More

ሓድሽ ህንጻ ሕክምና እዝኒን ኣፍንጫን ጐረሮን ተመሪቑ

ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል – ኦሮታ ንዝርከብ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን ንምስፋሕ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራን ‘ሜድ-ኬር’ ዝተባህለ ጀርመናዊ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበርን፡ ብኣስታት 1.5 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይ’ቲ ሆስፒታል ዝተሰርሐ ሓድሽ ህንጻ ምስ መሳለጥያታቱ፡ ንስራሕ ድሉው ኰይኑ። ኣብ’ቲ ሚኒስተራትን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዝተረኽቡሉ ብ5 ታሕሳስ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ...

Read More

Login

Categories