ኣብ ሃብቲ ገረብ ዝርአ ዘሎ ብርሰት ክግታእ ውህደት ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ክዓዝዝ፡ በዓል- ስልጣን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ደቡብ ጸዊዑ። እቲ ጨንፈር ብ14 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣግራብ ዘብርሱ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክርሕቁ ስለዘይክእሉ፡ ነበርትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ምስ ኣባላት ሓለዋ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብዩ። ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ካፒተን...
Layout A (with pagination)
ኣብ ስያትል – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ “እምነት” ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ወለንታውያን መንእሰያት፡ ንሆስፒታላት ዝከፋፈል ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቶም። እቲ ብ6 ታሕሳስ ዝተረከበ ናውቲ፡ መደቀስን መመርመርን ዓራውትን ፍርናሽን፡ ከምኡ’ውን ዓረብያታትን መራዂስን ከምዘጠቓልል፡ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እዞም ኤርትራውያን ወለንታውያን መንእሰያት፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ...
ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሕርሻዊ ልምዓትን ዘተባብዕ ስራሓት ከምእተሰላሰለ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ12ን 13ን ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን፡ ጽርግያታት፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ካልእን ጽቡቕ ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ ዝጠቐሰ’ቲ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምጉዳል ልምዓት መገሃጫን መግቢ እንስሳን ንምህርቲ ጸባ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ኣነጺሩ። ተሳተፍቲ፡ መስርሕ መለሳ...
ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ብ13ን 14ን ታሕሳስ ኣብ ከረን ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም፡ ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ዘተባብዕ ገስጋስ ከምእተመዝገበ ተነጺሩ። ኣብ ትምህርቲ – መጠን ተሳታፍነት ኣብ ትምህርቲ ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ኣብ ጥዕና ድማ – ብዝሒ ኣብ እዋን ሕርሲ ናይ ዝሞታ ኣደታት ከምኡ’ውን ናይ ህጻናት ብብዙሕ ኣሃዝ ከምዝጐደለ በሪሁ። ምውሓስ ምንጪ ዝስተ ማይን ምዝርጋሕ ሻምብቆታትን፡ ንጥፈታት ሕርሻዊ ልምዓትን ስራሓት...
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህዝቢ ብወፈራዊ ማእቶት ዘሰላሰሎ ልምዓታዊ መደባት ኣድማዒ ምንባሩ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ተሓቢሩ። ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ህዝቢ ተወዲቡ፡ ኣብ ምጽጋንን ምስራሕን ጽርግያታትን ጋብዮናትን፡ ኣብ ምትግባር ፕሮጀክታት ማይን ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓትን ካልእን ዕዉት ስርሓት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ። እቲ መደባት፡ ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባን ተሳተፍነት ምምሕዳራት፡...