ERi-TV Editorial/ሓተታ, December 23, 2017
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ERi-TV Shingrwa/ሸንግርዋ Part IV ( Zoba MaEkel) – December 23, 2017
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብውሕጅ ዝተበላሸወ ጽርግያ መንደፈራ – ዓረዛ – ማይ-ድማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዓረዛ ናብ ገዳም ደብረ- መንቆርዮስ ዝኣቱ መስመር፡ ብህዝባዊ ወፈራታት ተጸጊኑ። ኣብቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ምክትታል ዓድታትን ፕሮጀክትታትን ኣቶ ዑቕባይ ኣማኑኤል፡ እቲ ብዓቕሚ ነበርቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ – ብጠቕላላ 47 ኪሎ- ሜተር ከምዝኾነ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ህዝቢ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ማይ-ድማ፡...
ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኢንስቲትዩት ኮንፊሽየስን ተወዲቡ ንሓደ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ቅብኣ ስልጠና፡ ብ20 ታሕሳስ ተዛዚሙ። ኣብ’ቲ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ምስ ሓድሽ ቅዲ ያታዊ ቅብኣ ቻይና ዘላሊ ስልጠና፡ ንስነ-ጥበባውያን ሃገርና ሓጋዚ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ሰልጠንቲ ረኺቦምዎ ንዘለዉ ትምህርቲ ከም መበገሲ ተጠቒሞም፡ ፍልጠቶም ኣብ ምስፋሕን ዓቕሞም ክብ ኣብ ምባልን...
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ሞያውያን ጥዕና፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስሩዕ ሞያዊ ንጥፈታቶም፡ ኣብ ምብራኽ ርድኢት ሕብረተሰብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከዛይዱ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ- ባርካ ጸዊዑ። ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ልኡል ባንተይርጋ ምስ ሞያውያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ሕጽረት ኣፋውስ ከምዘሎ ኣምሲልካ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘረባታት፡ መበገሲኡ ሕጽረት ኣፋውስ ዘይኮነ ናይ መረዳእታ ጸገም ምዃኑ ብምምልካት፡ ብክኢላታት ጥዕና እኹል...