To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
Layout A (with pagination)
ERi-TV Tigre News from Eritrea for January 31, 2018
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ፖሊስን ኢሚግረሽንን ንዝሰርሓ 400 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሕጊ ዘለወን ኣፍልጦ ንምዕባይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ብቦርድ ሚኒስትሪታት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ክኢላ ሕጊ ኣቶ ሳሙኤል ገብረብርሃን፡ ሕጊ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ናይ ኩሉ ምዃኑ፡ ሕጊ ዘይምፍላጥ ድማ ሳዕቤናቱ ቀሊል ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ንሃገራዊ ሕግታትን ሕጋጋትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ’ቲ ትምህርቲ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃበኦ...
ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ- ኣንስትዮ ኣካላውን ስነ¬-ኣእምሮኣውን ሳዕቤናት ዘለዎም ሃሰይቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድን፡ ጽሬት ከባቢ ኣብ ምውሓስን፡ ኣድማዒ ንጥፈታት ከም እተሰላሰለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ዞባ ገሊጹ። ብ25ን 26ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን፡ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ናጻ ካብ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ምእዋጀን፡ ብዞባ ደረጃ ድማ 157 ዓድታት ተጠቀምቲ...
ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዝግበር ወፍሪ፡ መሰረት ዕብየትን ውሑስ መጻእን ስለዝኾነ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ዲን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣቶ ሰመረ ኣምለሶም ገሊጹ። “ቁጠባውን ሕርሻውን ምዕባለ፡ ኣብ ብቑዕ ፍልጠት ዝቐሰመ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ እዩ ዝምርኰስ” ዝበለ ኣቶ ሰመረ፡ ጽላት ሕርሻ ብዓይነትን መጠንን ኣማዕቢልካ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኮለጅ ሕርሻ ዓቢ ኣቓልቦ ሂቡ ዝነጥፈሉ ዘሎ ምዃኑ ኣብሪሁ። እቲ ኮለጅ፡ ኪኖ’ቲ ናይ...