Layout A (with pagination)

ሌ/ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ ተሰዊኡ

ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ወተሃደራዊ ሃንደሳ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ገዲም ተገዳላይ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ (ጭኩን)፡ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ብ6 ለካቲት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ መወዳእታ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተወፋይነት ዘገልገለን ብኣብነት ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ። ስዉእ ሌተና...

Read More
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ‘ሕጊ’ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ‘ሕጊ’ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም። ኣብ’ቲ መማህራንን ኣለይትን እውን ዝተሳተፍዎ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ፡ ተልእኾን ዕማማትን ፖሊስ ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ንቕሓቶም ኣብ ሕጊ ብምዕባይ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዛይዱ ኣዘኻኺሩ። ኣዛዚት መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ተለንተ...

Read More

ሚ/ትምህርቲ፡ ኣብ ውጥን ስራሕ 2018 ዝዘተየ ኣኼባ ኣካዪዱ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግባረ መደባት 2017ን ውጥን ስራሕ 2018ን ዘተኰረ ኣኼባ፡ ብ6ን 7ን ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት- ጽሕፈቱ ኣካዪዱ። ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም – እቲ ርክብ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ክስራሓሉ ንዝጸንሐ ውጥን ጽላት ትምህርቲ ብምግምጋም፡ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዘገልግል ሓድሽ ውጥን ንምድላው ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ፡ ፍሉይ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምቊጽጻርን...

Read More

ኣህጉራዊ መዓልቲ ‘ኣይፋል ንምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ’ ተዘኪራ

ኣህጉራዊ መዓልቲ “ኣይፋል ንምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ”፡ “ምብቃዕ ምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ፖለቲካዊ መርገጺና እዩ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ብ6 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ “እዛ ዕለት፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብደረጃ ሃገር ዝተቓለስናሉ ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነበረያ-ነበረ ክንገብሮ ቃል እንኣትወላ ዕለት’ያ”...

Read More

Login

Categories