Layout A (with pagination)

ኣብ ኣዱሊስ፡ ንዝሰፍሐ መጽናዕቲ ዝደፍእ ኣሰራት ተረኺቡ

ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ ብኣላይነት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ – ብዝተኻየደ ኲዕታን መስርሕ ምጽጋንን ዳህሳስን፡ ንምስጢር ናይ’ቲ ከባቢ ዘጒልሕን ንዝሰፍሐ መጽናዕቲ ዝደፍእን ሓድሽ ኣሰራት ተረኺቡ። ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታት፡ ኣብ’ቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ሻውዓይ ገጽ ዳህሳስን ኲዕታን፡ ብዓረ ናይ ዝተሰርሑን ጽሑፋት ግሪኽ ዝተወቕሮምን ውቁባት ኣዕኑድ ስብርባር፡ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ስብርባር ስራሓት ሰራሚክስ፡...

Read More
ጸሮና – ኣስታት 40 ሽሕ ጥሪት ተኸቲበን

ጸሮና – ኣስታት 40 ሽሕ ጥሪት ተኸቲበን

ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና – ንክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ወፍሪ ክታበት ኣካዪዱ። ኣወሃሃዲ ሕክምና እንስሳታት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ መብራህቱ መዝገቦ፡ በቲ ንሓረስቶት ቀረባ ኣብ ዝኾና 21 ነቚጣታት ዝተኻየደ መደብ፡ ኣስታት 40 ሽሕ ጥሪት ከምእተኸትባ ገሊጹ። ምትሕብባር ወነንቲ ጥሪት ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ ወፍሪ ዝነኣደ መንእሰይ መብራህቱ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተኸትባ ጥሪት ምስ ዝህልዋ፡...

Read More

ዓንሰባ – ለሰታት ሩባ ዓንሰባ ክለምዕ ይሕተት

ኣብ ገማግም ሩባ ዓንሰባ ዝርከብ ለሰታት፡ መእለዪ ውሕጅ ተሰሪሑሉ ንምልማዑ ተበግሶታት ክውሰድ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ንምዕዛብ – ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ። ልምዓት ኣብ ገማግም ሩባ ዓንሰባ ልዑል ቈላሕታ ክወሃብ ዘዘኻኸረ ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ ከባቢ ፊዛ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት መእለዪ ውሕጅ መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል ጠቒሱ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ዓንሰባ...

Read More

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፕረዚደንት ‘ፊፋ’ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ፡ ማለት ‘ፊፋ’ – ጃን ኢንፋንቲኖ፡ ትማሊ ዓርቢ 23 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ መቐበል-ኣጋይሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ‘ፊፋ’ ንዝጀመሮ ናይ ምትዕርራይ መደባት ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽሎ ብምዝኽኻር፡ ዝበለጸ ምሕዝነት ዝበለጸ ውጽኢት ስለዘምጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝገበሮ ዑደት ሞጒሱ። ሚስተር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ብወገኑ፡...

Read More

Login

Categories