Layout A (with pagination)

ማእከል – ኣብ ምም/ከባቢ ዓደርዓዳ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓደርዓዳ – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ 138 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 440 ዜጋታት መሬት ጤሳ ተዓዲሉ። ብ24 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምዕዳል፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል፡ ኣቶ መኮነን ማኢል፡ ክዕደል ዝተዳለወ መሬት 1,139 ቃጽዖታት ምዃኑ ብምሕባር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ’ዚ ናይ ሎሚ ዕደላ ዝተረፉ፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ምስ ኣማልኡ ክወሃቡ ምዃኖም ገሊጹ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ...

Read More
መንእሰያት ህርጉድ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ይነጥፉ

መንእሰያት ህርጉድ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ይነጥፉ

መንእሰያት ህርጉድ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ መሬት ሕርሻ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ሩባ ንምዝላይ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ። እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ብምዕቃብ ማይን ሓመድን ጀሚሮምዎ ዘለዉ ዕዮ፡ ብምጽጋን ጽርግያን ካልእ ንጥፈታትን ክቕጽልዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ነበርቲ ብግደኦም፡ እቲ ወፈራ መርኣያ ናይ’ቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ባህሊ ምትሕግጋዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቲ መንእሰያት ደቆም ብልዑል ወኒ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ዕማም ሞጒሶም። ህርጉድ፡...

Read More
ዞ/ሰ/ቀ/ባሕሪ – መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ተሞጒሱ

ዞ/ሰ/ቀ/ባሕሪ – መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ተሞጒሱ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝርጋሐን ብቕዓትን ትካላት ጥዕና ንምርግጋጽ ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ቲ ዞባ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝረክብ፡ 74 ሚእታዊት ካብኡ ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎ-ሜተር ከምዝረኽቦ ተገሊጹ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ዮውሃንስ ተኸስተ፡ ንዓመታት ካብ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሓሪሙ ዝጸንሐ – ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ፡ ገዚፍ ወጻኢታት ብምውፋር ሳላ...

Read More

ዓንሰባ – 150 ርእሳነ-መማህራን ስልጠና ተዋሂብዎም

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ንዝነጥፉ ርእሳነ-መማህራን መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ጸጋታት ዝጸንሖም ዓቕምን ክእለትን ክብ ንምባል ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ። እቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐጸለ ስልጠና፡ ንተራ መምህር ብሓፈሻ ርእሰ- መምህር ድማ ብፍላይ ኣብ ምምእዛንን ኣርኣያነትን፡ ምድላው ውጥንን ኣገዳስነቱን፡ ጽልዋ ውሕሉል ምሕደራ ኣብ ኣድማዕነት ውጽኢት ኣብ ዝብሉን ካልኦትን መሰረታውያን ዛዕባታት ዘተኰረ እዩ...

Read More

Login

Categories