ERi-TV Arabic News from Eritrea for March 15, 2018.
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ኣብ ገልዓሎ፡ ጥቕሚን ሳዕቤናት ጉድለትን ‘ኣዮዲን’ ብዝምልከት፡ ንተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ሓላፊ ማእከል ጥዕና ገልዓሎ ነርስ ሙሉጌታ ታረቀ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጉድለት ኣዮዲን ኣብ ጥዕና ሰብን ጥሪትን ዓቢ ሃስያ ከምዘውርድ ጠቒሱ፡ ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው ምዝውታር፡ ካብ ዝተፈላለየ ሕዱር ሕማማት ከምዝከላኸል ኣረዲኡ። ብዝግበር ዘሎ ጐስጓስን ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታትን፡ ተጠቃምነት ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው እናዓበየ ይመጽእ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዝዝቲ ርክባት፡ ካብ 21 ለካቲት ክሳብ 11 መጋቢት ኣብ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ተኻይዱ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዛዕባ ዝዕመሙን ንትግባረ ዝበጋገሱን ዘለዉ መደባት ልምዓት፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ምኽፋል ግብሪ መሬትን ጥሪትን ድሕሪ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብቐንዱ...
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ንእትነብር – ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ሓሙሽተ ቈልዑ ዘለውዋ ስድራ-ቤት ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም። በዚ መሰረት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይስ-ቡክ፡ ዩትዩብን ትዊተርን ናይ ዝነጥፍ ጉጅለ ፓልቶክ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም” ኣባላትን ተኸታተልትን ዝኾኑ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራትን ዝነብሩ ዜጋታት...
ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኮሎኔል ሰለሙን ኣስፍሃ፡ መንእሰያት ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ንቕሓትን ኣፍልጦን ብምዕባይ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ተራኦም ንኸዕዝዙ – ንተመሃሮ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሞጎራይብ-ጎኘ ሰሚናር ኣካዪዱ። ኮሎኔል ሰለሙን፡ ኣብ ድሕረ- ባይታ ሕግን ፖሊስን፡ ዓይነታት ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገበናትን ምክልኻሎምን ኣትኲሮ ብምግባር ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ቀንዲ ዕማማት ፖሊስ፡ ኣብ ምክልኻል ገበን፡ ምጽራይ ገበንን...