Layout A (with pagination)

ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ

ኣብ ከተማ ከረን፡ ንወነንቲ ሚኒባሳትን ጋራጃትን ኣብ ድሕነት ትራፊክ፡ ኣብ ገልዓሎን ኣፍዓበትን ድማ ንዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወነንቲ ትካላትን ተመሃሮን፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ። ብ20 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ዓንሰባ ሜጀር ተኽለብርሃን ዮውሃንስ፡ ሰኣን ጥንቃቐ ምግባር፡ ኣብ ናይ ቋሕ- ሰም ግዜ ሂወት ሰብ ይቕዘፍን ከቢድ ክሳራ ኣብ ንብረት ይወርድን...

Read More
ደ/ቀ/ባሕሪ – ኣብ ትግባረ መደባት ውህደት ኣካላት ክዓዝዝ ተሓቲቱ

ደ/ቀ/ባሕሪ – ኣብ ትግባረ መደባት ውህደት ኣካላት ክዓዝዝ ተሓቲቱ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝውጠኑ መደባት ብሓፈሻ፡ ንጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝምልከቱ ድማ ብፍላይ ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ውህደት ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ብ21 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ማሕበረ-ባህላዊ ብድሆታት ብምግጣም ኩሉ-መዳያዊ ተራን ኣበርክቶን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ዝካየድ ቃልሲ፡ ንሓደ ኣካል ዘይግደፍ – ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብዝተወሃሃደ...

Read More

ጨ/ሚ/ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ንጥፈታቱ ኣብ ምሕያል ዘትዩ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ብ19ን 20ን መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ዝተራእዩ ድኽመታት ብምእላይ ብልጫታት ንምድንፋዕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘትዩ። ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ትምህርቶም ካብ ዝተኸታተሉ ልዕሊ 200 ሽሕ ተማሃሮ እቶም 81 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ናይ’ቲ ጨንፈር፡ ንዝበረኸ ውጽኢት፡ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡ’ውን ምውዳብ ሞያዊ ኣበርክቶ መማህራን ዝድርዕ ስልጠናታት ኣድህቦ ተዋሂቡ...

Read More

Login

Categories