Layout A (with pagination)

ጸሮና – ህቦብላዊ ዝናብ ጕድኣት ኣውሪዱ

ጸሮና – ህቦብላዊ ዝናብ ጕድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዑና-ዓንዶም፡ ዓዲ ሓርገጽ፡ ዓዲ- ኸረን፡ ደቂ-ሌፋይ፡ ፍልሖ፡ ግንዘቦን ጎበለን ብ4 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ብህቦብላን በረድን ዝተሰነየ ዝናብ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ጕድኣት ከምዘውረደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። በቲ ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ሓርገጽ ክልተ ደቂ 13 ዓመት ቈልዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ 20 መንበሪ ኣባይቲን ሓንቲ ቤትንባብን ድማ ከቢድ...

Read More
መደበር ጥዕና ገለብ ብቕዓታ ንኽዓቢ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

መደበር ጥዕና ገለብ ብቕዓታ ንኽዓቢ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

መደበር ጥዕና ገለብ፡ ምስ ምስጋም ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ መስከረም ጻዕቂ ተገልገልቲ ስለ ዘጋጥማ፡ ብኹሉ መዳያ እትዓብየሉ ኵነታት ክፍጠር፡ ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ሰመረ ተስፋይ ኣዘኻኺሩ። ህዝቢ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣብ ንቡር ግዜ ኣስታት 45 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ እዋን ምቖት ካብ ሽዕብ ዝሳግም 35 ሽሕ ህዝቢ ክድረቦ እንከሎ ናብ ኣስታት 80 ሽሕ ከምዝድይብ ዝሓበረ ነርስ ሰመረ፡ እዚ ጻዕቂ’ዚ ተደራራቢ ስራሕ...

Read More
ኣፍዓበት – ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ ተዘትዩ

ኣፍዓበት – ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ ተዘትዩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ ዝዝቲ ርክብ ተኻዪዱ። ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱላሂ ሳልሕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምቊራጽ፡ ዋሕዲ ተሳታፍነት ብፍላይ ኣብ ቀዳማይን ሻምናይን ክፍሊ፡ ከምኡ’ውን ግዜ ትምህርቲ ብግቡእ ዘይምጥቃም፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖምን፡ ፈዋሲ ዝዀነ ጎስጓስ ክሕይል ከምዘድሊን ኣፍሊጡ። ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብዘይካ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ግልቡብ፡ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ኣብያተ...

Read More

ጋሽ-ባርካ – ሃማደኤ፡ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ንምብራኽ ጎስጓሳት ኣካይዱ

ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንደቂ- ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ተሓጋገዝቲ ነርስ፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኩሉመዳያዊ ንቕሓተን ንምብራኽን ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ዕድላት ብግቡእ ዝጥቀማሉ ባይታ ንምፍጣርን ዝዓለመ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣካዪዱ። ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ይሕደጋ የውሃንስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዓቕምታት ደቂ-ኣስንትዮ ንምህናጽ ዝግበር ወፍሪ፡ ብቐንዱ ብዕዙዝ ሱታፌ ደቂ...

Read More
መንግስቲ፡ ንተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ናይ ኣስታት 786 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ገይሩ

መንግስቲ፡ ንተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ናይ ኣስታት 786 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ገይሩ

መንግስቲ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2015፡ ንተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ናይ ኣስታት 786 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ከምዝገበረ፡ ሰነዳት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ይሕብሩ። ብመሰረት’ቲ ሰነዳት፡ እቲ ን4,707 ተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ዝተገብረ ደገፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ምምሕዳራውን ሕክምናውን መዳያት ዝወዓለ ኰይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶምን መነባብሮኦምን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ስንኩላንን ዝተጣየሱ ኣባላት ሰራዊት ነበርን ነብሶም...

Read More

Login

Categories