Layout A (with pagination)

ማእከል – ንመሰላት ቈልዑ ዝምልከት ሰሚናር ተኻዪዱ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ዝመጻ ኮሚቴታት ዝተሳተፋኦ፡ ኣብ መሰላት ቈልዑን ተራ ኮም ኣብ ምድንፍዖምን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ ተኻዪዱ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ዘርእዝጊ ዮውሃንስ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1994 ዝፈረመትሉ ውዕል ኣህጉራዊ መሰላት ቈልዑ፡ መትከላቱ ንምትግባርን ህጻናት ኤርትራ መሰላቶም ተሓልዩ ንኽዓብዩን፡ ኩሉ- መዳያዊ ጻዕሪ ክትገብር ምጽናሓን ዝምስገን ገስጋስ...

Read More
እምኒ-ሓይሊ – ኣርባሕቲ ከብቲ ቀረብ ጸባ ከውሕሱ ይሕተቱ

እምኒ-ሓይሊ – ኣርባሕቲ ከብቲ ቀረብ ጸባ ከውሕሱ ይሕተቱ

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ዝነጥፉ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሕርሻዊ ጸጋታት ብግቡእ መዝሚዞም ምህርቶም ከሰስኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ኣዘኻኪሩ። ዓውዲ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይተመዝመዘ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣባላት’ቲ ማሕበር ድኻማቶም ኣለልዮም፡ ቀለብ እንስሳ ንምውሓስን ፍርያት ጸባ ክብ ንምባልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ። ማሕበር ተራድኦ ናይ ጸባ ከብቲ...

Read More
ጊንዳዕ፡ – ኣስታት 100 ሄክታር ብኮማዊ ወፈራ ተዛልዩ

ጊንዳዕ፡ – ኣስታት 100 ሄክታር ብኮማዊ ወፈራ ተዛልዩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብኣላይነት ክኢላታት ሕርሻ ኣብ 12 ዓድታት ብዝተኻየደ ኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣስታት 100 ሄክታር ከምእተዛለየ ተሓቢሩ። ውጽኢት ናይ’ቲ ወፍሪ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ ሕሩይ ዮውሃንስ፡ ብጠቕላላ 4,400 ወፋሮ ዝተሳተፍዎ ዕማም ከም እተሰላሰለን ውጽኢታዊ ምንባሩን ጠቒሱ፡ ጸገም መሳርሒን ዘይምውህሃድ ዝምልከቶም ኣካላትን ካብ ቀንዲ ጉድለታት ምንባሮም ገሊጹ። ኣብ ዞባ...

Read More

ጋሽ-ባርካ – ማሕበር መማህራን ብቕዓት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ይሰርሕ

ማሕበር መማህራን ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣወዳድባኡ ብምሕያል ተራ መማህራን ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት ትምህርቲ ንምዕባይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ኣረጋጊጹ። ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር መምህር ዩሱፍ ዳኒክ፡ ዕላማ ማሕበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝነጥፉ መማህራን ብምጥርናፍ ሞያዊ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝን ብቕዓቶም ንምሕያልን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምስማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።...

Read More

Login

Categories