Layout A (with pagination)

ኣብ እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ

ኣብ እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን፡ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብዝተኻየደ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ዝግመት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ። እቲ ንብረት፡ ዝብላዕ፡ ዝስተ፡ ዝልከን ንመሕጸቢ ሰብነት ዘገልግልን ከም ዘጠቓልል፡ እተን ሒዘናኦ ዝጸንሓ ትካላት ድማ ከምእተቐጽዓ ተፈሊጡ። ሓላፊ ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ እምኒ- ሓይሊ ነርስ በርሀ ኪዳነ፡ ገለ ድኳናት ካብ’ቲ ዝተፈቕደለን ንጥፈት ወጻኢ – ጐድኒ-ጐድኒ...

Read More

ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ስጉምትታት ይውሰድ ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ 250 ሄክታር ኣብ ዝለምዐ ዕፉን ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሰ፡ ነቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ባልዕ ንምግታእን ኣብ ዝረኣየሉ ብኣጋ ንምቊጽጻርን፡ ሓረስቶትን ክኢላታትን ስሩዕ ኰለላታትን ምክትታልን ክገብሩ ምጽንሖም ብምሕባር፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ዘርኢ ዕፉን ክርአ ብምጅማሩ – እቲ ተኽሊ ተማሕዩ...

Read More
ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ ተሰዊኡ

ኣባል ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ17 ሚያዝያ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ፡ ፈለማ ኣብ ዕጥቅን ስንቅን ውድብ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ድማ ብደረጃ ሓላፊ ሽማግለ ስፖርት ክሳብ ዕለተ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ኮሚኒቲ ኮለጅ ትምህርቲ ኣስመራ ከም ሓላፊ ንብረት ኮይኑ ንህዝቡን ሃገሩን...

Read More

ትምህርቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን መንሱራን ተገምጊሙ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን መንሱራን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብምግምጋም፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሳነ- መማህራን፡ ሓለፍቲ ኣሃዱታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ወከልቲ ህዝብን ዝተሳተፍዎ ገምጋም፡ ትካላት ትምህርቲ ክሳብ ርሑቕ ገጠራት ምስፍሑ ኣብ ምውሓስ ዕድል ትምህርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ምስኡ ዝዳረግ ብዘይምዃኑ ግን፡ ንምምሕያሹ ክውሰዱ ኣብ ዝግብኦም...

Read More

Login

Categories