ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጌሪዳ – ንኡስ ዞባ ጎኜ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብ ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። በቲ ባርዕ፡ ኣብ 40 ሄክታር ዝነበረ ዓርኮካባይ ዝርከቦ ብውሑዱ 400 ዓበይቲ ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሙሴ ባህታ ገሊጹ። እቲ ባርዕ፡ ጓሶት ከየጥፍኡ ካብ ዝሓደግዎ ሓዊ ብዝነቐለ ቊልዒ ከምእተኸስተ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣቶ ኣድም ሳምራ፡ ሰለስተ ኣእዱግ እውን...
Layout A (with pagination)
ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎ፡ ሓልሓልን ሓመልማሎን፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ቅነ፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠትን ስነ-ጥበብን፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ባህላዊ መነባብሮን ኣልባሳትን ዘጠቓልል መሰናድኦታት ከምዝቐረበ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም። ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ንጥፈታት ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዓይነትን ትሕዝቶን እናማዕበለ ብምምጽኡ ዝንባለ ተመሃሮ ኣብ...
ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 190 ዓድታት ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባቢያዊ ጥዕና ኣተኣታትየን። ኣባላት ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ፡ መቐጸልታ ናይቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ዝሰላሰል ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ንዘርእይዎ ዘለዉ ምትሕብባር ሞጒሶም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 30 ዓድታት ተጠቀምቲ ኮም ዝሰረቱ መደብ ከባቢያዊ ጥዕና ኮይነን ምህላወን፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ...
ፋርማስቲካዊ ማሕበር ኤርትራ፡ እዋናውን ሓድሽን መድሃኒት-ጠቀስ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕልላፍን ምስ ካልኦት ጽላታት ናይ’ቲ ዓውዲ ብምትሕብባርን፡ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና ክብ ንምባል እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ገሊጹ። ኣቦ-መንበር ማሕበር – ፋርማሲስት ኣብርሃም እንድርያስ፡ ሞያ-ጠቀስ ሕግታትን መምርሒታትን፡ ንመሰል በዓል ሞያን እቲ ሞያ ብቐንዱን ዝሕልዉ ምእንቲ ክኾኑ፡ ሓሳብ ኣብ ምሃብን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ምምሕያሻት...
DimTsi Hafash/ድምጺ ሓፋሽ: ዜና – 14 ግንቦት 2018
To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.