ዑረት ንምክልኻል፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምፍዋስ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምስ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ኣልበሳር ብምትሕብባር፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን 410 ዜጋታት መብጣሕቲ ሓበላ ተገይሩሎም። ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ከረን ዶክተር ያፌት ሃይለሚካኤል፡ እቲ ምስ ጉጅለ ሓካይም ኣልበሰር ብምትሕብባር ብዘበናዊ ኣገባብ ጨረር ተሰንዩ ዝተኻየደ መብጣሕቲ ሓበላ፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ብኣጋ ንምቚጻዩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ። ኣብ ሆስፒታል ከረን ሓላፊ ክፍሊ...
Layout A (with pagination)
ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ጐድኒ- ጐድኒ’ቲ ዘሰላስሎ ዘሎ ኣብ ልምዓት መስኖ ዘተኰረ ስርሓት፡ ኣብ ምግራብ እውን ልዑል ጠመተ ሂቡ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ታደሰ ፍስሃየ ሓቢሩ። እቲ ብናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ክለምዕ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ መሬት፡ ንጸሓይን ደረቕ ንፋስን ዝተቓልዐ ብምዃኑ፡ ከባቢኡ ምግራብ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ታደሰ፡ እዚ መደብ’ዚ ዓቢ ቈላሕታ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ገሊጹ። ዛጊት 30 ሽሕ ፈልሲ...
ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን፡ መደባት ጽምብል ናጽነት ብልዑል ህዝባዊ ተሳትፎን ዋንነትን፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ከባብን ንኡሳን ዞባታትን ክጽምበል ከምዝጀመረ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም። ብ14 ግንቦት ዝጀመረን ክሳብ 26 ግንቦት ዝቕጽልን ጽምብል ናጽነት ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስነ-ጥበባውን ባህላውን መደባት፡ ሰልፊ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ከምኡ’ውን ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ሰሚናራትን መደባት ዋርሳን ከም...
ብምክንያት በዓል ናጽነት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር ሙዚቃን ትልሂትን፡ ብ18 ግንቦት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት ተዛዚሙ። ኣብ’ዚ ሰለስተ መድረኻት ዘጠቓለለ ውድድር፡ ብሓፈሻ 15 ናይ ሙዚቃ፡ 7 ድማ ናይ ትልሂት ጉጅለታት ከም እተሳተፋ፡ ካብ ወደብቲ ናይ’ቲ መደብ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር። ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ጉጅለታት ሙዚቃ 1ይቲ ዝወጸት ጉጅለ ኣሰር 90 ሽሕ ናቕፋ፡ 2ይቲ ጉጅለ በኒፈር 60 ሽሕ ናቕፋ፡...
ERi-TV, Eritrea – Tigrinya News for May 21, 2018.
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)