ERi-TV, Eritrea – Tigre News for May 22, 2018.
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ብ20 ግንቦት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ መጀመርያ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣባል ኩባንያ ህንጻ ሙሳ-ዓሊ ብምዃን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ። ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ...
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ብደረጃ ዞባ – 20 ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተጸምቢሉ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበለ ህዝብን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ- ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥን ልኡላውነታ ንምዕቃብን ዝተኻየደ ረዚን ዋጋ ዝሓተተ ቃልስን መኸተን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ዘለዎ ክብሪን ንሃገሩ ዘለዎ...
ኣብ ኒው-ኦርሊንስን ኮሎምቦስን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፓሪስ – ፈረንሳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢማራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብድምቀት ጸምቢሎም። ተቐማጦ ኮሎምቦስ – ኦሃዮ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ንባህሊ ሕብረተሰብና ብሓፈሻ፡ ብዙሕነትናን ኣብኡ ዘሎ ጽባቐን ድማ ብፍላይ ዘጒልሕ ኮይኑ፡ ናብ ተካእቲ ወለዶታት ብዘሰጋግር ኣገባብ ዝማዕረገ ነይሩ። ነበርቲ...
መራሕቲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ሪፓብሊክ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ክሮኤሽያን ሽወደንን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና – ሺ ጂን ፒንግ፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቓ፡ ፕረዚደንት ክሮኤሽያ ኮሊንዳ ግራባር-ኪታሮቪችን ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭን ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት...