ብ24 ግንቦት ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሆላንድ ናይ ዝዓረፈት ገዲም ድምጻዊትን ከራሪትን ጸሃይቱ በራኺ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣስመራ – መካነ መቓብር እንዳማርያም ክፍጸም’ዩ። ጓል 16 ዓመት እንከላ ዝነበራ ጽምኢ ንምርዋይ ኣብ ዓለም ስነ- ጥበብ ዝተጸንበረት ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ፡ ሓያለ ያታውን ሃገራውን ደርፍታት ዘፍረየትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስነ- ጥበብን ሓርነታዊ ቃልስን ሃገርና ዕዙዝ ተራ...
Layout A (with pagination)
መደበር ጥዕና ጋሕተላይ ብእትህቦ ኣገልግሎትን እተካይዶ ጐስጓሳትን፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝምስገን ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ተሓቢሩ። ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ዑቕባእንድርያስ ተስፋሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ምስ ናይ 2017 ክነጻጸር እንከሎ ብ95 ሚእታዊት ምንካዩ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሰሪጹ ዘሎ ጥዕናዊ ንቕሓት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዝበረኸ ውጽኢት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ኣብሪሁ። እታ መደበር፡ ኣገልግሎታት ሕርሲ፡...
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሞያዊ ስልጠናታት ክቐስሙ ዝጸንሑ 98 መንእሰያት – 56 ካብኦም ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ26 ግንቦት ኣብ መሰልጠኒ ማእከል መንእሰያት ዓዲ- ጓዕዳድ ተመሪቖም። እቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ስልጠና፡ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእሊ፡ መፍረ ንህብን ደርሁን፡ ምዝርጋሕ ኤሌክትሪሲቲን ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓትን፡ ኮምፕዩተር ኤዲቲንግን ግራፊክስን፡ ከምኡ’ውን ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ድራማን ዘጠቓለለ እዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ...
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓዲ-ጥልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን24 ግንቦት – ዕለተ ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብሓበን ጸምቢሎምዋ። ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ – ኦሬጎንን ፎኒክስ – ኣሪዞናን ዝቕመጡ ዜጋታት ዝወደብዎ በዓል፡ ብቐንዱ ኣብ ሃገራውን ሕብረተ-ሰባውን ክብርታት ዘለዎም ተገዳስነትን ናብ ደቆም ንምምሕልላፉ ንዝካየድ ጻዕሪን ዘጒልሐ ነይሩ።...
ኣሚር ሃገረ ቐጠር ተሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒን፡ ሱልጣን ዖማን ቓቡስ ቢን ስዒድን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም። እቶም መራሕቲ ብስሞምን ብስም ህዝቢታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዕብየትን ብልጽግናን ተመንዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ምክትል ኣሚር ሃገረ ቐጠር ዓብደላ ቢን ሓመድ ኣልሳኒ፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ባይቶ...