To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
Layout A (with pagination)
March 22, 2018 – Evening Tigrinya Dimtsi Hafash Eritrea Broadcast
To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
ኣብ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ዘተኰረ ኣማእዛኒ ሰሚናራት፡ ካብ 12 ክሳብ 16 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ። ወሃብቲ ሰሚናር፡ ብዘይ ውፉይ ኣበርክቶ መንእሰያት ዝረጋገጽ ዕብየትን ምዕባለን ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ዝውጠን መደባት መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ ንህሉውን ሕሉፍን ጉዕዞ ሃገር ኣጣሚሩ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት፡ ተመኲሮን ኣፍልጦን ንምስፋሕ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንመንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ሶይራን፡ ንኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት ሰሚናራት ተዋሂቡ። ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣበራሽ ሃብታይ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተሰረተ ውዳበታት ምሕያል መሰረት ናይ ኩሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣድማዕቲ ክኾናን ንመጻኢ ድልዱል ሰረት ከንጽፋን፡ ተሳትፎአን ጥራይ ዘይኮነ ተወዳዳርነተን ኣብ ትምህርቲ ከዕዝዛ ጸዊዓ። ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ...
መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ናደው እዚን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን፡ ብ19 መጋቢት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተጸምቢሉ። ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝደመቐ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጅብ፡ ዓመት መጸ ምድምሳስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን እንጽምብል፡ በቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ዝፈጸሞ ቅያን ኣብኡ ዝተራእየ ጅግንነት ህዝብን ተጋዳላይን እናተሓበንና፡ ሃገርና...