Layout A (with pagination)

ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ 128 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ብኣርባዕተ ዓውድታት ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 128 ተመሃሮ ብ7 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ። 65 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም ተመረቕቲ፡ 22 ብኣግሮ-መካኒክ፡ 37 ብስነ-እንስሳ፡ 37 ብስነ-ኣትክልቲ፡ 32 ድማ ብስነ-ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ልምዓት መስኖ ዝተማህሩ’ዮም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሓላፊ’ታ ቤት-ትምህርቲ ሓው ኢሳይያስ ጸጋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመሃሮ፡ ስነ-ምግባርን ዘተኣማምን ፍልጠትን...

Read More
ዓንሰባ – ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ኣሎ

ዓንሰባ – ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ኣሎ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻርኽቱ ኣካላትን ሓረስቶትን ተወሃሂዱ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ፡ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ ኣቶ ዜናዊ ዕቝባኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ቅድሚ ምኽሳቱ፡ ብዛዕባ ባህሪያቱ፡ ተመሳሳልነቱ ምስ ካልኦት ባልዓት፡ ከምኡ’ውን ዘጥቅዖ ዘራእትን ዝጠፍኣሉ ኣገባባትን፡ ብተንቀሳቓስን ደርቕን ስእሊ...

Read More

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ተመሃሮኡ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ምህንድስና ባሕሪ፡ ሃብቲ ዓሳን ባዮ-ቴክኖሎጂን ዘምሃሮም 26 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 94 ተመሃሮ፡ ቅድሚ ትማሊ 8 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ንመበል 11 ግዜ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ጸጋታት ባሕሪና ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዓቢ ኣቓልቦ ተዋሂቡ ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ...

Read More

መንደፈራ – ንሳዋ ዝወርዱ ተመሃሮ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ሎሚ ዓመት ንሳዋ ንዝወርዱ ተመሃሮ፡ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳዋ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርቲ እትፈጥሮ ምቹእን ሓባራውን ባይታ፡ ሃገራውነትን ናይ ውህደት ኣተሓሳስባን እትዂስኲስ’ውን ስለዝኾነት፡ መሰጋገሪት መድረኽ ናብ ምሉእነትን ሓላፍነታዊ ኣረኣእያን ከምዝኾነት ገሊጹ። ሳዋ...

Read More
ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ናይ ዘሕልፉ ዜጋታት ቊጽሪ ይውስኽ

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ናይ ዘሕልፉ ዜጋታት ቊጽሪ ይውስኽ

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ንምሕላፍ – ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝመጹ ዜጋታት ቁጽሪ፡ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ካብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ዓዲ- ጥልያን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ምስ ደቆም ዝመጹ ዜጋታት፡ ኣብ ናይ ልምዓት ቦታታትን ታሪኻዊ ስፍራታትን ዑደት ብምግባር፡ ንገስጋስ መደባት ልምዓትን ህንጸትን ብኣካል ብምዕዛቦም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም። ኣብ ትካል መፍረ ፕላስቲክ ባጽዕ፡ ናጻ ዞባ፡ ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ኣህጉራዊ...

Read More

Login

Categories