ERi-TV, Eritrea – Drama Series: nTab zKri Zemen – ንጣብ ዝኽሪ ዘመን – part XXVIII – 28 ክፋል, June 24, 2018.
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ መነባብሮ ስንኩላን፡ ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን ንምምሕያሽ ብዘተግብሮ ዘሎ ናይ ምጥያስ መደባት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ካሮሳታት ዓዲሉ። እተን ካሮሳታት፡ ዛጊት ኣብ ፎርቶ-ሳዋ ን150፡ ኣብ ሓጋዝ ን90፡ ኣብ ሎጎ-ዓንሰባ ን50፡ ኣብ ኣፍዓበት ን40፡ ኣብ ዓረዛ ን20፡ ኣብ ሓልሓል ድማ ን16፡ ብድምር ን366 ዜጋታት’የን ተዓዲለን። ተጸዋዒ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ...
ኣብ ከተማ ድባርዋ፡ ንተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ፡ ወለንታዊ ልግሲ ደምን ረብሓኡን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ብ18 ሰነ ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ንዓይነታት ደም፡ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ዘጋጥም መድመይቲን ሳዕቤናቱን፡ ከምኡ’ውን ንረብሓ ምኽዛን ደምን ካልእን ዝምልከት መብርሂ ብክኢላታት ቀሪቡ። ሓላፊ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ርእሶም ገብርሂወት ኣብ ዝሃቦ...
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ክሳብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ልዕሊ 99 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ንስድራ ስውኣት ከምዝኸፈለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ገሊጹ። ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ዝተኸፍለ ደበስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ከከም ዓቕሞም ስድራ ስውኣት ንምእላይ ዝወስድዎ ተበግሶታት ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኣስመራ...
ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ፡ “ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ ቀዳም 23 ሰነ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ንግዲ፡ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብ’ቲ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መሻርኽቲ ኣካላትን ኣባላት ማሕበርን ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ንበዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ኣቶ ፋኑኤል ጸጋይ፡ ምርግጋጽ ድሕነቱ ዝሓለወን ስሉጥን መጓዓዝያ...