Layout A (with pagination)

ኣብ ናቕፋን ማእከልን ህዝባዊ ማእቶት ይካየድ ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ በያን፡ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን፡ ናብ ዓድታቶም ዘእቱ 135 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራታት ይጽግኑ ኣለዉ። እቲ ሓምሻይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ስራሕ፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ በያን ተበጊሱ፡ ብከተማ ናቕፋ ሓሊፉ ናብ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን ዝበጽሕ’ዩ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስን ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተስፋይ እዮብን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ቲ...

Read More

ዓንሰባ – ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ጠንቂን ሳዕቤናትን ሕማም ዓሶ ብምብራኹ፡ ቀረብ መድሃኒትን መመርመሪ መሳርሒታትን ብምምልኡ፡ ከምኡ’ውን ናሙስያ ብሰፊሑ ብምዝርግሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተሰላሰለ ዕማማት ንምግምጋምን ኣብ መጻኢ ዝትግበር ዕዮ ንምንዳፍን – ብ18 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ...

Read More
ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና 151 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና 151 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ኣብ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 44 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 151 ተመሃሮ፡ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ። ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ሰነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ቃልኣብ ዘርኡ፡ ተመረቕቲ – 20 ብዕረያ መኪና፡ 16 ብስራሓት ሓጺን፡ 21 ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ 18 ብስራሓት ህንጻ፡ 17 ብጽርበት ሓጺን፡ 21 ብኤለክትሪክ፡ 21 ብቅየሳ፡ 17 ድማ ብንድፊ ከምእተመረቑ ሓቢሩ። ተመሃሮ...

Read More
ዜጋታት፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ኣበርክቶኦም የዕዝዙ

ዜጋታት፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ኣበርክቶኦም የዕዝዙ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ “ምንባይ ስድራ ሰማእታት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ኣይኮነን” ብምባል፡ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ገይሮም። ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት፡ “ስዉኣትና ብግብሪ ይደበሱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ሽምዓ ብምውላዕ ሰማእታቶም ኣብ ዝዘከሩሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓንቲ ስድራቤት 50 ሽሕ ዶላር ከተወፊ እንከላ፡ ነፍሲወከፍ ስራሕ ዘለዎ ዜጋ ድማ...

Read More

Login

Categories