Layout A (with pagination)

“ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምውጋድ፡ ሓያል ስራሕ ይጽበየና ኣሎ” ፖሊስ ኤርትራ

“ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምውጋድ፡ ሓያል ስራሕ ይጽበየና ኣሎ” ፖሊስ ኤርትራ

ሓደጋታት ተሽከርከርቲን ሳዕቤናቱን ንምውጋድ፡ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ዘሎ ንቕሓት ንምዕባይ ገና ሓያል ስራሕ ይጽበየና ከምዘሎ፡ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ 3ይ ጉባኤ ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሃገርና ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘጋጠመ – ኣስታት 24 ሽሕ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ 721 ሰባት ሞይቶም፡ 3,246 ከቢድ 6219 ድማ ፈኲስ ኣካላዊ ጉድኣት ኣጋጢምዎም፣...

Read More

ዓንሰባ – ዓቕሚ-ሰብ ሞያ ጥዕና ንምምዕባል ስልጠና ተወዲቡ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ዓቕሚ ሰብ-ሞያ ጥዕና ክብ ብምባል ጥዕና ነበርቲ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ኣብ ከተማታት ከረንን ሓጋዝን ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ 78 ሰብ ሞያ ዝተሳተፍዎ መደብ፡ ዝውጠኑ መደባትን ዘጋጥሙ ብድሆታትን፡ ከምኡ’ውን ብልጫታትን ድኻማትን ብመንጽር ክብጻሕ ዝግብኦ ሸቶታት ብሰፊሑ ተዘትዩሉ። ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ርኡይ ለውጢ ከምእተመዝገበ ተሓቢሩ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ...

Read More

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ሰሉስ 26 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ወከልቲ ህዝብን ካልኦትን ድሙቕ...

Read More

Login

Categories