To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
Layout A (with pagination)
ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝርከብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስነ-ስርዓት፡ 10 ብማስተርስ፡ 189 ብቀዳማይ ዲግሪ፡ 194 ድማ ብዲፕሎማ ብጠቕላላ 393 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣቐዲሞም ብሞያኦም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ምሩቓት ናይ’ቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተመርኰሰ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ናይ ምረቓን ድሕረ-ምረቓን...
ኮሌጃት ምህንድስና፡ ስነ-ፍልጠትን ትምህርትን ዘጠቓልል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ንመበል 11 ግዜኡ ኣብ ዘካየዶ ስነስርዓት፡ 1313 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ብ45 ዓውድታት ዝወድኡ ተመረቕቲ፡ 32 ብማስተርስ፡ 678 ብዲግሪ፡ 603 ድማ ብዲፕሎማ እዮም ተመሪቖም። ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕለተመመረቕታ ካብ መኣዲ ፍልጠት ናብ መኣዲ ልምዓት ዝጽንብር ኣጋጣሚ ከምዝኾነ፡ እዚ ግን መሳልል ጉዕዞ ፍልጠት ኣኽቲሙ...
ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ፍርያት ማንጉስ ክብ ንምባል ኣብ ሓረስቶት ዝተኻየደ ጐስጓሳት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ክኢላ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ከሰተ ጐይትኦም ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከብ 652 ሄክታር ጀራዲን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብኣግራብ ማንጉስ ዝተሸፈነን ካብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ክሳብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ከምዝዝርጋሕን ዝጠቐሰ ኣቶ ከሰተ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣፍልጦ ሓረስቶት ንምዕባይ ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ናይ...
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቊጽጻር ብዝትግበር ዘሎ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆን ተሰነይን ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተገሊጹ። ዝተወጠነ መደባት ንምዕዋት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ደምበ-ኣስመራ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ድማ ነበርቲ ምምሕዳር ሕለትሲዲ፡ ውሽጣዊ ሕጊታት ብምጽዳቕ ይነጥፉ ከምዘለዉ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም። ንሳቶም፡ ንዝተሳለጠ ስራሕ ንምግምጋም በብወገኖም ኣብ...