To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
Layout A (with pagination)
Midday News in Tigrinya for November 18, 2020 – ERi-TV, EritreaShare this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓድ-ሹማን ደማስን፡ ንክራማት ባሕሪ ምድላዋት የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ሹማ፡ ህዝቢ ብጋንታትት ተወዲቡ ሰፊሕ ግራውቲ ዘስቲ መእለዪ ውሕጅን ተሰይሩ ዝነበረ ዓግማትን ኣብ ምጽጋን ተጸሚዶም ከምዘለዉ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ኣድም፡ እቲ ወፈራዊ ዕዮ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከምኡ’ውን ምምድማድ ግራውትን ምፍዋስ ማይክዖታትን...
ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ዑደት ኣዝርእቲ ብምትእትታው ብጥሙር ኣገባብ ዝተዘርአ መሬት ጽቡቕ ፍርያት ከምዝሃበ፡ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረብርሃን ሓቢሩ። ጥሙር ማሕረስን ምቅይያር ኣዝርእትን ኣብ እቶታውነት ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብ፡ ሓረስቶት ኣብ ክራማት ሎም-ዘበን ንትግባረኡ ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ጽቡቕ ፍረ ከምእተረኽቦ እዩ ኣቶ ኣማኑኤል ገሊጹ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ እምኒሓይሊ...
ኣብ መላእ ሃገር በብከባቢኡ ዝተዋደዳ ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህባኦ ኣገልግሎት፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ንምብራኽ ዘካይዳኦ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ኣለዋ። ብመሰረት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ብሞያውያን ዝወሃብ፡ ኣብ ኣገዳስነት ክታበት፡ መሰረታዊ ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ምቁጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ክትትል ኣደን ህጻንን፡ ኣገልግሎት ሕርሲ፡ ውሁድ...