ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቅላመት ዝተኸፍተት ትካል ጥዕና፡ ኣብ ምቅላል ዝጸንሐ ጸገማት ዝምስገን ኣበርክቶ ትገብር ኣላ። መወልዳን ነርስ ዑመር ስዒድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ትካል ኣገልግሎታት መወልዳን፡ ክታበት ህጻናትን ኣዴታትን፡ ምክትታል ነብሰ-ጾራትን ቀዳማይ ረድኤትን ከምእትህብ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብ ምውሓስ ጥዕናን ኣዴታትን ህጻናትን ርኡይ ግደ ከምዘለዋ ኣረዲኡ። እዛ ትካል ጥዕና ቅድሚ ምኽፋታ፡ ዝበዝሓ ነብሰ-ጾራት ኣብ ገዝአን...
Layout A (with pagination)
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ምርባሕ ደርሁ ዕብየት ከምዘመዝገበ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ መንእሰይ ሃብተማርያም ኣብርሃም ገሊጹ። ኣብ’ቲ ዞባ፡ ቁጽሪ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝነጥፉ እናወሰኸ ምምጽኡ ዝጠቐሰ መንእሰይ ሃብተማርያም፡ እዚ ውጽኢት ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ዝተገብረ ሓገዛትን ብግብሪ ዝተራእየ ረብሓታትን ከምዝኾነ ሓቢሩ። ምርባሕ ደርሁ፡ ኣካል ንኡስ ጥሙር ስድራቤታዊ ሕርሻዊ ንጥፈት ከምዝኾነ ብምግላጽ ድማ፡...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብዝተገብረ ጻዕሪ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ዝምስገን ምዃኑ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ሙሳ ኣደም ገሊጹ። ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መምህር ሙሳ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣዝየን ውሑዳትን ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝተሓጽራን ኣብያተትምህርቲ ጥራይ ምንባረን ጠቒሱ፡ መንግስትን ህዝብን ብዘካየድዎ ሓያልን ውሁድን ጻዕሪ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ...
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ካይሮ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ ተራኺቡ። እዚ ናይ ትማሊ ርክብ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሰብ-መዚ ኤርትራን ግብጽን ዝካየድ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ስሩዕ ናይ ምምኽኻር መደባት እዩ። ኣብ’ቲ ዘተ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ብቐንዱ ንክልተኣዊ መዳያት ንግድን ወፍሪን ማእከል...
ERI-TV: ረብሓ ዲጋ ሎጎ ን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ሸውዓተ ዓድታት | Diga Logo dam transforms lives & the environment
ERI-TV: ረብሓ ዲጋ ሎጎ ን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ሸውዓተ ዓድታት | Diga Logo dam transforms lives & the environmentShare this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)