Midday News in Tigrinya for December 3, 2020 – ERi-TV, EritreaShare this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ኣብ ሓውሲ ደሴት ቡሪ ዘሎ ባህሊ ዕቃበ ኣግራብ ብሓፈሻ መበቈላዊ ኣግራብ ድማ ብፍላይ ዝምስገን ምዃኑ፡ ሓላፊ በዓል-መዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ መሓመድ ኣሕመድ ገሊጹ። ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ መሓመድ፡ ባህሊ ምዕቃብ ሃብቲ ገረብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምስሳን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ጥዕናውን ማሕበረቊጠባውን ረብሓታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ካልኦት ከባቢታት’ውን ነዚ ሰናይ ባህሊ’ዚ ክስዕብዎ...
ከም ኣካል መኸተ ‘ኮቪድ-19’፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ 2.3 ሚልዮን ናቕፋ፡ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ብመልክዕ ገንዘብን ዓይነትን ተኸፋፊሉ። ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ኤሪና፡ ኣብ ዓዲ-ሓንስ ዋጋ ኣስታት 790 ሽሕ ናቕፋ እኽሊ ን480 ስድራ-ቤታት፣ ኣብ ዓዲ ወርሒ-ሰብን ከባቢኣን ድማ ዋጋ ኣስታት 868 ሽሕ ናቕፋ እኽሊ ን235 ስድራ-ቤታት ክከፋፈል እንከሎ፡ 461 ሽሕ ናቕፋ ከኣ ን202 ስድራቤታት ብጥረ ገንዘብ ተዓዲሉ። እዚ ከምዚሉ...
ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ከብትን ጤለ-በጊዕን ናይ ምኽታብ ወፍሪ ከምእተኻየደ፡ ሓኪም እንስሳ ወይዘሮ ሕብረት መድሃኔ ሓቢራ። በቲ ኣብ 20 ነቝጣታት ዝተኻየደ ናይ ክታበት ወፍሪ፡ ልዕሊ 43 ሽሕ ከብትን ጤለ-በጊዕን ጸረ ፍሮማይን ሕማም ምቑላዕን ክኽተባ እንከለዋ፡ ኣኽላባት ድማ ጸረ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምእተኸትቡ፡ ወይዘሮ ሕብረት ወሲኻ ገሊጻ። እቲ ኣብ 67 ዓድታት ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት፡ ሳላ ልዑል ምትሕባብር ወነንቲ ጥሪት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት...
ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘበገስዎን ሃገራዊ ሽማግለ ኣብ ሽወደን ዝወደቦን ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ንመኸተ ወራር ኣንበጣ ዝውዕል ወፈያታት ተገይሩ። ዕላማ’ቲ መደብ፡ ኣብ’ዚ ከቢድ ናይ ቫይረስ ኮሮና እዋን ንዝተኸስተ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ዜግነታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ከምዝኾነ፡ ወደብቱ ንኤሪና ገሊጾም። በዚ ሓይሊ ዕማም ብምቛም ኣብ ሰለስተ እብረ ብማንዛ ዝተኻየደ ናይ ወፈያ መደብ ድማ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ክሮነር ተኣኪቡ።...