Midday News in Tigrinya for December 19, 2020 – ERi-TV, EritreaShare this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
ኣብ ጢዖ፡ ገማግም ባሕሪ ካብ ብከላ ንምክልኻል፡ ብደረጃ ኮም ዝተወደበ ስሩዕ ወፈራታት ጽሬት ይካየድ ኣሎ። ብመሰረት ዝወጸ መደብ፡ ህዝቢ ሰሙናዊ ኣብ ከባቢኡ፣ ክልተ ሰሙናዊ ድማ ኣብ ዝተወሰነን ዝተመርጸን ከባቢ ሓባራዊ ወፈራ ጽሬት የካይድ ከምዘሎ ዝሓበረ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ጢዖ ኣቶ ዓሊ መሓመድ፡ ጽሬት ገማግም ባሕሪ ንምውሓስ ዝካየድ ንጥፈታት ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ኣብሪሁ። ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርአ ዘቤታዊ ጐሓፍ ንምግታእ ይስራሕ ከምዘሎ፡...
ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ገስጋስ ናይቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ ንምዕዛብ ዑደት ኣብ ዝገበረትሉ፡ ብዛዕባ ብቕዓቱ፡ ኣሳልጦኡን ጽልዋኡን ምስ ሓለፍቲ ኣተግበርቲ ትካላት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ወከልቲ ህዝብን ዘትያ። ምምሕዳራት ከባቢ ግራት፡ እማህሚመ፡ ኣራግን ሓሊበትን ዝበጽሐት ወ/ሮ ኣስመረት፡ ኩነታት ናይተን...
ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሓረስቶት ኣብ ሰብሰርሖ ቀመማዊ ድዅዕን መድሃኒታት ጸረ-ባልዕን ምምርኳስ ንኸጉድሉ ክወስዶ ብዝጸንሐ ተበግሶታት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ‘ኮምፖስት’ ዘማእከለ ውሁድ ምሕደራ ተኽሊ ንምትብባዕ ይሰርሕ ኣሎ። ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ሓረስቶትን ተመሃሮን ኣብ ከባቢኦም ብዝርከብ ተረፍ-ምህርቲ ሕርሻን ካልእ ባህርያዊ ነገራትን ተጠቒሞም ‘ኮምፖስት’ ንኸዳልዉ፣ ሕማማትን ባልዓትን ብእዋኑ ብምልላይ ድማ ሽግሮም ንኽፈትሑ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ...
ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ብምግታእ ኣብ ሂወትን ንብረትን ዝወርድ ጉድኣት ንምንካይ፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ንቕሓቶም ብምብራኽ ሕጊ ትራፊክ ተኸቲሎም ክመላለሱ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ጸዊዑ። ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንቕሓት ምብራኽ እቲ መሰረታዊ ምዃኑ፣ ነቲ ብሰንኪ ሸለልትነት ዝስዕብ ሓደጋታት ንምንካይ ግና ሕግታት ትራፊክ ምኽባርን ዘድሊ ጥንቃቐታት ምግባርን ኣገዳስነቱ ልዑል ከምዝኾነ ገሊጹ። ተሽከርከርቲ...