ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዑረት ንምክልኻል ኣብ 6 ንኡሳን ዞባታት ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብሰንኪ ሓበላ ናይ ምርኣይ ጸገማት ዝጸንሖም 246 ዜጋታት መብጣሕቲ ከምእተገብረሎም፡ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ የማነ ጸጋይ ሓቢሩ።...
Category - Newspapers
ኣብ መጽሓፍ ‘ቅያ ስርሒት ኮማንዶ 1984’ ዘተኰረ ናይ ምውርራስ ታሪኽ መድረኽ፡ ብ6 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ። ደራሲ ናይ’ታ ብኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንዝተፈጸመ ቅያ እትትርኽ...
ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ጉጅለታት ህግደፍ ተወዲቦም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፡ ብማንዛ ሰሚናር ወዲቡ። ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ...
ወለዲ፡ ተመሃሮ ደቆም ካብ ዘይስነምግባራዊ ተግባራትን ገበናትን ርሒቖም ብሉጻትን ኣፍረይትን ንክኾኑ፡ ኣብ ምክትታሎምን ምምእዛኖምን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ከዕዝዙ፡ ግዝያዊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኣዘኻኺሩ። ሌተና ኮሎኔል ግርማይ...
ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ደምበሰንበል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ንዘምጽኡ 133 ተመሃሮ – ኣባላት 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት...
ታሪኹ ባዕሉ ዘይጽሕፍ – ወናኒ ታሪኹ ክኸውን ስለዘይክእል፡ መንእሰያት ኣትኲሮኦም ኣብ ምስናድን ምጽሓፍን ሓቀኛ ፍጻሜታት ከዕዝዙ፡ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣገንዚቡ። ብ6 ግንቦት ንመንእሰያት...