News in Tigre for October 26, 2020 – ERi-TV, Eritrea
Author - Staff
Midday News in Tigrinya for October 26, 2020 – ERi-TV, Eritrea
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 22 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዞም ዜጋታት፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ግርማይካ፡ 1 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል...
ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ዓጢቕዎ ብዘሎ ዘመናዊ መሳርሒታት ሕክምናን ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብን፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምዕባል ጻዕርታት የካይድ ኣሎ። ዳይረክተር’ቲ መወከሲ ሆስፒታል ዶ/ር ታሚት እስቲፋኖስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሆስፒታል ዝለዓለ ሕክምና...
ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ ብምኽንያት ቅጥዕታት ምክልኻል ‘ኮቪድ 19’ ነቲ ዓመት መጸ ዝካየድ ወግዓዊ ጽምብል ብምውንዛፍ፡ ትማሊ 22 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ 219 ብዲግሪ 61 ድማ ብዲፕሎማ፡ ብጠቕላላ 280 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ምሩቓት፡ ብዓውድታት ስነ...
ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ተደኲኑ ዝርከብ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ 244 ብዲግሪ፡ 376 ድማ ብዲፕሎማ ብጠቕላላ 620 ተመሃሮ ብ17 ጥቅምቲ ኣመሪቑ። ኣብ’ዚ ምስ ኩነታት ‘ኮቪድ-19’ እቲ ልሙድ ቅጥዕታት ጽምብል ዝተወንዘፈሉ ስነ-ስርዓት መመረቕታ መበል...
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡...
ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ – ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ፡ ሸክበረት ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ህቦብላ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ ብምህራሙ፡ 304 ጤለበጊዕ ብበርቂ ከምዝሞታ፡ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ...
ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኮማዊ ንጥፈታት ምዕቃብን ምክንኻንን ኣግራብ፡ ኣብ ምስሳን ሃብቲ ገረብ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ኣሎ። ሓላፊ ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ማሕሙድ ኣድም፡ እዚ ብነበርቲ ዝዝውተር ዘሎ መበቈላውያን ኣግራብ ናይ ምዕቃብን...
ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ዝተጀመረ ንጥፈታት፡ ብዝለዓለ ውዳበታት ይቕጽል ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኮርባርያ፡ 160,500 ናቕፋ ን151 ስድራ-ቤታት ተኸፋፊሉ። ኣብ’ቲ ናይ ምዕዳል ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ...