ቦርድ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪታትን ፈደረሽናትን ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን – ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብምግምጋም ኣብ መደባት ስራሕ 2018 ዘትዩ። ኣብ’ቲ ብ16 ለካቲት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት...
Author - Staff
ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ውሁድ ስራሕ ንሃገራዊ መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ውጽኢት – ንህዝቢ መብርሂ ሂቡ። ኣባላት ባይቶ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ መንግስቲ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ...
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምዘናን ሃገራዊ መርመራን ገዲም ተጋዳላይ መስፍን ተኽለ (ወዲ ባሻይ)፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድመኡ ብ16 ለካቲት ተሰዊኡ። ኣብ መፋርቕ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም...
ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ 16 ለካቲት 2018 ቊጽሪ 1468 ሕታሙ፡ “ናይ ዶብ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተ ይካየድ ኣሎ” ክብል ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ወረ ኣጋዊሑ ኣሎ። እቲ ጋዜጣ ወሲኹ፡ “ወግዓዊ ርክባት ኣብ...
ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝወደቦ፡ ካብ 2007 ንደሓር ንዝሰላሰል ዘሎ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ዝግምግም ዓውደ-ዘተ፡ ብ12 ለካቲት ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኻዪዱ። ቀንዲ ኣትኲሮ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ቊጠባውን ጸገማት ኣብ ግቡእ...
ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ብ’ማዕከን መጽናዕቲ ኤርትራ’ ተመዊሎም ኣብ ዝተዳለው 13 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ብ16 ለካቲት – ኣብ ኣዳራሽ ሃኮሰኤ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ። ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት...
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ኣብ ኣቚርደት ዝኸፈቶ ‘ማእከል መሰልጠኒ መባእታዊ ሞያታት’፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ኣብ ዝጀመሮ ቀዳማይ እብረ መደቡ፡ ብዝተፈላለየ ሞያታት ን8 ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም 163 መንእሰያት ኣመሪቑ። ብ15 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ዳይረክተራትን ሱፐርቫዘራትን ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምሕያል ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዘተኰረ ርክብ፡ ብ8 ለካትቲ ተኻዪዱ። ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ተስፋይ ስብሃቱ፡ ተመሃሮ ጻዕራማትን ተወዳደርትን ክኾኑ – ተራን...
ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክሳብ 2030 ዓመተ- ምህረት ክውቃዕ ዝተወጠነ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማር ዝሕግዝ መርሓ-ጐደና፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ኦሮታ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓንጺጹ። እዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝተዳለወ መርሓ ጐደና፡...
ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም እስማዒል መሺሾ (ኣመሪካኒ)፡ ትማሊ 15 ለካቲት ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ። ኣብ 1959 ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ – ሓራካ ዝተጸንበረን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት መሪሕነት ዘገልገለን ተጋዳላይ ኢብራሂም...