Author - Staff

ኣብ ከተማ ከረን፡ ብሞያ ዝሰልጠኑ 79 ዜጋታት ተመሪቖም

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ምስ መሻርኽቱ ብምውህሃድ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ብሞያ ኤለክትሪሲቲ፡ ስርሓት ካይላ፡ ማእለማን ኮምፕዩተርን ዘሰልጠኖም 79 ዜጋታት ተመሪቖም። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ፡ ኣቶ ተስፋጽዮን ግርማይ፡ ዜጋታት...

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተኻዪዱ

ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካ፡ ዓንሰባን ደቡብን፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከምእተኻየደ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም። ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 1 ክሳብ 6 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ሕጊ፡ ጥዕናን ካልእ...

ሓልሓል – ምጥርናፍ ዓድታት ጽቡቕ ተተግቢሩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ሳላ ተበግሶታት ህዝብን ውህደት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ምጥርናፍ ዓድታት 80 ሚእታዊት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓምድ መሓመድ-ዓሊ፡ ካብ 18 ክሳብ 27 ለካቲት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ መለብሶ፡...

ኣብ ትምህርቲ ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ይሕተት

ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ፡ ወለዲ – ማእከል ስሉሳዊ ዝምድና ስለዝኾኑ፡ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ደቆም ተራኦም ከዕዝዙ፡ ኤሪና ዘዘራረበቶም መማህራንን ኣባላት ኮሚተ ወለድን ኣዘኻኺሮም። መምህር ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ወርሽ ኪዳነ፡...

ዓንሰባ – ተወዳዳርነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተናኢዱ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ተኽለሰንበት ዘርኣይ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ኣርባዕተ ናይ ብሕቲ ዝርከባአን 18 ናይ ካልኣይ ደረጃ...

ደቡብ – ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ህዝቢ ዝካየዱ ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዝያዳ ንኸድምዑ፡ “ምብህሃል ንምዕባለ” ብዝብል ቴማ፡ ን20 ኣባላቱን ኣብ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ዝነጥፉ መሻርኽቱን ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት...

ጸሮና – ዓማዊል ኣኮርድ ‘ኣብ መነባብሮና ምምሕያሽ ኣምጺእና’ ይብሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ዓማዊል ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (ኣኮርድ)፡ ኣብ መነባብሮኦም ምምሕያሽ ከምዘምጽኡ ገሊጾም። እቶም ኣብ ንኡስ ንግዳውን ሕርሻውን ዋኒናት ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ እቲ ከም መበገስን መማዕበሊን ዋኒኖም በብመድረኹ ዝተፈቕደሎም ልቓሕ፡ ኣብ ህይወቶም...

ሞልቊ – ኣብ ትምህርቲ ዝተኻየደ ጻዕርን ውጽኢቱን ተገምጊሙ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝተኻየደ ጻዕሪን ውጽኢቱን ንምግምጋም ብ25 ለካቲት ዋዕላ ተቓኒዑ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካን ሚኒስትሪ ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ካልኦት ዝምልከቶምን ዝተሳተፍዎ...

ፋብሪካ ‘ባናቶም’፡ ዘቤታዊ ጠለባት ሳልሳ ንምምላእ ይሰርሕ

ኣብ ኣለቡ ዝርከብ ፋብሪካ ‘ባናቶም’፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ዘፍረይዎ ኮሚደረ ብምምስራሕ፡ ዘቤታዊ ጠለባት ሳልሳ ንምምላእ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ፋብሪካ ሌተና ኮሎኔል ተኪኤ ወልዱ ሓቢሩ። እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት...

ኣብ ን/ዞ/ሓጋዝ ሸፈነ ኣገልግሎት ጥዕና ወሲኹ

ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ካብ 5 ክሳብ 10 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣገልግሎት ጥዕና ይረኽቡ ከምዘለዉ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ፡ ሓላፊ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ...

Login

Categories