Author - Staff

ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ-ሳዋ ንጥፈታታ ገምጊማ

ኣብ ሳዋ እትርከብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝመጹ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ14ን 15ን መጋቢት ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታታ ኣካዪዳ። ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ...

ኣፍልጦ ተመሃሮ ኣብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ንምዕባይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ዞባ ማእከልን ከተማ ባጽዕን፡ ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ጸጋታት ብመንጽር ቱሪዝማዊ ስሕበት – ኣፍልጦ ተመሃሮ ክብ ንምባል ኣስተምህሮ ተወዲቡ። ብጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ማእከል ኣብ ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ትርጉምን ኣምርን ቱሪዝም፡ ቱሪዝማዊ ስሕበት...

ስነ-ጥበባዊ ተጋዳላይ ብርሃነ ሃብተጼን (ወዲ ኣኸዛ) ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ፡ ስነ-ጥበባዊ ብርሃነ ሃብተጼን (ወዲ ኣኸዛ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1977 ድማ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ስነ-ጥበባዊ ብርሃነ፡ ፈለማ...

ሓጋዝ – ኣብ መምርሒታትን ኣከፋፍላን ‘ግብሪ’ ተዘትዩ

ኣብ ከተማ ሓጋዝ፡ ንመምርሒታትን ኣገባብ ኣከፋፍላን ግብሪ ብዝምልከት፡ ምስ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ርክብ ተኻዪዱ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣቶ ዘርኣስላሴ ሃይሉ፡ ኣብ ዓይነታት ግብሪ፡ ደረጃታት ከፈልቲ ግብሪ፡ ኣብ...

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ 19 መጋቢት ክጅምር’ዩ

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ (ማትሪክ) 2018፡ ካብ 19 ክሳብ 24 መጋቢት ኪካየድ ምዃኑ፡ ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ሓቢሩ። እቲ ፈተና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባታትን ሳዋን፡ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ድማ ኣብ ሪያድን ጅዳን ከም...

ጋሽ-ባርካ – ጐስጓስ ኣንጻር ጐዳእቲ ልምድታት ውጽኢት ሂቡ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ፡ ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ንምውጋድ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ተገሊጹ። ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጎኜን ሃይኮታን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊት...

ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ምርኢት ቱሪዝም – በርሊን ተሳቲፋ

ኤርትራ፡ ካብ 7 ክሳብ 10 መጋቢት ከተማ በርሊን ኣብ ዘአንገደቶ መበል 53 ኣህጉራዊ ምርኢት ቱሪዝም ተሳቲፋ። ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክትሰፍር ምስ ዘኽኣልዋ ረቛሒታት ዘላሊ ስእላዊ መግለጺታትን ጽሑፋትን፡ ንቱሪዝማዊ ጸጋታት ኤርትራ...

ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ህዝባውን ንጥፈታቶም ብቐጻሊ ከጋጥሞም ንዝጸንሐ ዕንቅፋትን ተጻብኦን ንምቅዋም፡ ብ13 መጋቢት፡ ኣብ ከተማ ዘ-ሄግ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ነቲ፡ “ብዛዕባና ካብ ምዝራብ፡ ምሳና ተዛረቡ” ብዝብል...

ገልዓሎ – ብዛዕባ ጥቕሚ ‘ኣዮዲን’ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ገልዓሎ፡ ጥቕሚን ሳዕቤናት ጉድለትን ‘ኣዮዲን’ ብዝምልከት፡ ንተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ሓላፊ ማእከል ጥዕና ገልዓሎ ነርስ ሙሉጌታ ታረቀ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጉድለት ኣዮዲን ኣብ ጥዕና ሰብን ጥሪትን ዓቢ ሃስያ ከምዘውርድ ጠቒሱ፡...

ድባርዋ – ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ተዘትዩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዝዝቲ ርክባት፡ ካብ 21 ለካቲት ክሳብ 11 መጋቢት ኣብ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ተኻይዱ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዛዕባ ዝዕመሙን...

Login

Categories