‘ሮራ ድጂታላዊ ቤት-ንባብ’፡ ኣገልግሎት ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ ኣብ ትካላት- ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪታትን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ንምስፋሕ ዕቱብ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ዳይረክተር ናይ’ቲ ቤት-ንባብ ኣቶ ክፍሎም ሚካኤል፡ ‘ሮራ ድጂታላዊ ቤት- ንባብ’...
Author - Staff
ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሕለፎም ውሳነታትን ለበዋታትን – ኣብ ድባርዋ ንህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ኣተገባብራኦም ተዘትዩ። ኣስታት 750 ነበርቲ ከተማ ድባርዋን ወነንቲ ትካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ኣባል ባይቶ ዞባ...
ሽማግለ መኸተን ልምዓትን ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ መደባት 2018 ኣገባብ ኣተገባብራኡን ንምዝታይ፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ርክብ ኣካዪዱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ መዓላ ንኽትውዕል – ወፈራታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን...
ካብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ሕርሻ፡ ከምኡ’ውን ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ዝተሳተፍዎ ስልጠናን ኣስተምህሮን ብዛዕባ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ፡ ካብ 13 ክሳብ 17 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ተዋሂቡ። እቲ ንክኢላታት ሕርሻ ዝተዋህበ ስልጠና፡...
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ሪፓብሊክ ማውሪሸስ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ። ኣብ ከተማ ፖርት-ልዊስ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ፓራማሲቩም ፒላይቪያፑሪ ኣብ ዝተኻየደ...
• ድራማ ግብጺ ኣብ ሳዋን፡ ናይ ሱዳን ዶብ ምዕጻውን ምኽፋትን፡ ዘየስደመሞ የለን። እቲ ጽውጽዋይ ግን፡ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኰነን። ዝኽሪታት ምምሓው ቅዲ ወይ ፋሽን ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ መዋእል፤ ሰማዒን ተዓዛቢን ምእንቲ ከስተብህል፤ ጸጸኒሕካ ሓቅታት ምንጋር ኣይጽላእን’ዩ።...
ኣብ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ዘተኰረ ኣማእዛኒ ሰሚናራት፡ ካብ 12 ክሳብ 16 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ። ወሃብቲ ሰሚናር፡ ብዘይ ውፉይ ኣበርክቶ መንእሰያት ዝረጋገጽ ዕብየትን ምዕባለን ከምዘየለ ብምጥቃስ፡...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንመንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ሶይራን፡ ንኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት ሰሚናራት ተዋሂቡ። ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣበራሽ ሃብታይ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተሰረተ ውዳበታት ምሕያል...
መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ናደው እዚን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን፡ ብ19 መጋቢት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተጸምቢሉ። ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝደመቐ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጅብ፡ ዓመት መጸ ምድምሳስ ናደው እዝን...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈደሬሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሃገራዊ ምርጫታት ብምዕዋቶም፡ ብስም መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት...