“እጃመይ፡ ኣብ ህንጻ ማዕከን ሞያውን ቊጠባውን ጸጋ ሃገር” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 2 ሚያዝያ ዝተኻየደ መበል 14 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ። ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስትን ግንባርን ሓላፊ ፖለቲካዊ...
Author - Staff
ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ብሓፈሻ፡ ሕሩም ሕዛእቲ ንምህብታም ድማ ብፍላይ፡ ውህደት ህዝቢን ኣካላት ሓለዋን ክሕይል፡ ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ ጸዊዑ። ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ምስ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስቲ ኣብ...
ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ዝነበሮ ሕጽረታት ናውቲ ሕክምናን ክኢላታትን ተማሊኡሉ – ዝምስገን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ ሜዲካል ዳይሬክተር ናይቲ ሆስፒታል ዶክተር ንጉሰ ገብረመስቀል ሓቢሩ። እቲ ሆስፒታል ሕጽረታት ስለዝነበሮ፡ ተገልገልቲ ናብ ሆስፒታላት ሓሊበትን...
ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ካልኦት ዝምልከቶም ሃገራውያን ኣካላትን ዘካይድዎ ዘለዉ – ኣብ መድረኻት ዝተኸፋፈለ ዕማም፡ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ መደብ፡...
ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብምትሕብባር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደምን ሃገራዊ ባንክ ደምን ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፡ ደረጃ ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ወለንታዊ ልግሲ ደም ድማ ብፍላይ ኣብ ምብራኽ፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ደም ሓላፊ...
ኣብ ባጽዕ፡ ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ወደብ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ብ21ን 29ን መጋቢት ተዋሂቡ። ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ሓላፊ ምክልኻል ገበንን ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ፡...
ወከልቲ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ካብ 12 ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 62 ኣኼባ ኮሚሽን ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ብምስታፍ፡ ንኩነታትን ምዕባለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝምልከት መብርሂ...
ገዲም ተጋዳላይ ሜጀር ሃይለ ሓጎስ፡ ብ31 መጋቢት ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሜጀር ሃይለ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ኣጋር ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብን፡ ድሕሪ...
ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ን32 ኣባላቱ – ካብ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ውድብ ላዕለዋይ ትካል ኦዲት ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝኾና ሃገራት ብዝመጹ ክኢላታት፡ ኣብ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ዘተኰረ ስልጠና ሂቡ። ዕላማ ናይ’ዚ ካብ 26 ክሳብ 30 መጋቢት ኣብ ኣስመራ...
ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ብምትሕብባር፡ ንርእሳነ-መማህራን መባእታን ካልኣይን ደረጃ፡ ኣብ ምሕያል ምሕደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘተኰረ ሰልጠና ወዲቡ። ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ንኡሳን...