ኣብ ንኡስ ዞባታት ማይ-ምነን ሰገነይቲን፡ ተርእዮ ባልዕ ዘራእቲ ንምቊጽጻር ዝዓለመ ኣስተምህሮታት ይወሃብን ኰለላታት ይካየድን ኣሎ። ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ምልክታት ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእየሉ ኣእካል ብወፈራ ተኣኪቡ ከምዝተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ገሊጹ። ኣብ’ቲ...
Author - Staff
ነበርቲ ሚዕድር – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታት ንምዕቃብ፡ ካብኦም ዝሕተት ኣብ ምምላእ ከምዝርከቡ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ርእይቶኦም፡ ቅርስታት መወከሲ ታሪኽን መግለጺ መንነትን ምዃኖምን፡ ብዕድመን...
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ዘመናዊ ሕርሻ ብምስፋሕ እቶትን እቶታውነትን ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ልምዓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዳኒኤል ወልዳይ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ልዕሊ 210 ሽሕ ሄክታር ክለምዕ ዝኽእል...
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝርግሐ ትካላት ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣብ ዕብየት ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዓቢ ግደ ይጻወት ኣሎ። ሓላፊ ኣገልግሎት...
ህዝብን ሰራሕተኛታት መንግስትን ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ብመንግስቲ መሰረታዊ ጽገና ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ 41 ኪሎ-ሜትር ዝንውሓቱ ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይ-ምነ፡ ዕዉት ወፈራዊ ንጥፈታት ኣካዪዶም። ኣብ’ቲ ብ20 ሚያዝያ ዝተሳላሰለ ወፈራ፡ ተቐማጦ ምምሕዳራት...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዑና-ዓንዶም፡ ዓዲ ሓርገጽ፡ ዓዲ- ኸረን፡ ደቂ-ሌፋይ፡ ፍልሖ፡ ግንዘቦን ጎበለን ብ4 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ብህቦብላን በረድን ዝተሰነየ ዝናብ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ጕድኣት ከምዘውረደ፡ ካብ’ቲ ቦታ...
መደበር ጥዕና ገለብ፡ ምስ ምስጋም ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ መስከረም ጻዕቂ ተገልገልቲ ስለ ዘጋጥማ፡ ብኹሉ መዳያ እትዓብየሉ ኵነታት ክፍጠር፡ ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ሰመረ ተስፋይ ኣዘኻኺሩ። ህዝቢ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣብ ንቡር ግዜ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ ዝዝቲ ርክብ ተኻዪዱ። ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱላሂ ሳልሕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምቊራጽ፡ ዋሕዲ ተሳታፍነት ብፍላይ ኣብ ቀዳማይን ሻምናይን ክፍሊ፡ ከምኡ’ውን ግዜ ትምህርቲ ብግቡእ...
ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንደቂ- ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ተሓጋገዝቲ ነርስ፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኩሉመዳያዊ ንቕሓተን ንምብራኽን ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ዕድላት ብግቡእ ዝጥቀማሉ ባይታ...
መንግስቲ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2015፡ ንተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ናይ ኣስታት 786 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ከምዝገበረ፡ ሰነዳት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ይሕብሩ። ብመሰረት’ቲ ሰነዳት፡ እቲ ን4,707 ተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ዝተገብረ ደገፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡...