ኣባል ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ17 ሚያዝያ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ፡ ፈለማ ኣብ ዕጥቅን ስንቅን ውድብ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት...
Author - Staff
ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን መንሱራን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብምግምጋም፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሳነ- መማህራን፡ ሓለፍቲ ኣሃዱታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ወከልቲ ህዝብን ዝተሳተፍዎ ገምጋም፡...
ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብመሳርሒታት ሙዚቃን ጥበባቱን ዝሰልጠኑ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ‘ኣውካን’ ናይ ሓይሊ ባሕሪ፡ ብ14 ሚያዝያ ተመሪቖም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሰልጠንቲ ብመኰነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተዋሃበ ናይ ድራማ...
ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ንምዝታይ፡ ምስ ህዝቢ ርክብ ተኻዪዱ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ እቲ መደባት – ኣብ ዳሳት ንዘምህራ ዘለዋ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ህንጻታት ምስራሕ፡ ቀጽርታትን ካልእ ትሕተ- ቅርጽን...
ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን እምኒ-ሓይልን፡ ዝሓለፈ ዓመት ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ኣብ 100 ሄክታር ብጥሙር ማሕረስ ንምዝርኡ ቅድመ-ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ክኢላታት ሕርሻ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ...
To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ዝመጻ ኮሚቴታት ዝተሳተፋኦ፡ ኣብ መሰላት ቈልዑን ተራ ኮም ኣብ ምድንፍዖምን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ ተኻዪዱ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ዘርእዝጊ ዮውሃንስ፡...
ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ዝነጥፉ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሕርሻዊ ጸጋታት ብግቡእ መዝሚዞም ምህርቶም ከሰስኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ኣዘኻኪሩ። ዓውዲ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብኣላይነት ክኢላታት ሕርሻ ኣብ 12 ዓድታት ብዝተኻየደ ኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣስታት 100 ሄክታር ከምእተዛለየ ተሓቢሩ። ውጽኢት ናይ’ቲ ወፍሪ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ ሕሩይ...
ማሕበር መማህራን ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣወዳድባኡ ብምሕያል ተራ መማህራን ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት ትምህርቲ ንምዕባይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ኣረጋጊጹ። ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር መምህር ዩሱፍ ዳኒክ፡ ዕላማ ማሕበር፡ ኣብ...