Author - Staff

ሆስፒታል ኦሮታ – ንህጻናት ናይ ልቢ መብጣሕቲ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ብምትሕብባር ኤርትራውያንን ካብ ጀርመን ዝመጹን ሞያውያን፡ ካብ 14 ሚያዝያ ዝጀመረን ክሳብ 28 ሚያዝያ ዝቕጽልን – ካብ 2 ክሳብ 14 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን ናይ ልቢ መብጣሕቲ ይካየድ ኣሎ። ሓላፊት ክፍሊ...

“ጸረ-ባልዕ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ ክወስድ ዘለዎ”ሚ/ሕርሻ

ሓረስቶት፡ ንጸረ-ባልዕ መድሃኒት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክወስድዎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣተሓሳሲቡ። ዓይነታት ጸረ-ባልዕ ዝተፈላለዩ ምዃኖም ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ውሸባ ብቚሊ መንእሰይ ስዒድ ኑረዲን፡ ገለ ክሳብ ኣብ ውሽጣዊ ክፋል ናይ’ቲ ብቚሊ...

ተጋዳላይ ኢንጂነር ገብረኪዳን ግርማጽዮን ተሰዊኡ

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ገዲም ተጋዳላይ ኢንጅነር ገብረኪዳን ግርማጽዮን፡ ብ22 ሚያዝያ ብሕማም ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1976 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ...

ኣገልግሎት ‘ኮማዊ ሆስፒታል ጐዳይፍ’ ተናኢዱ

ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ጽላት ጥዕና – ኣብ ምጉልባት ትካላትን ኣብ ምዕባለ’ቲ ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ኮማዊ ሆስፒታል ጐዳይፍ ነርስ መንግስ ይስሓቕ ሓቢሩ። “ኮማዊ ሆስፒታል...

ኣብ ስትሞን ዓሊ-ግድርን ከባብያዊ ጥዕና ንምውሓስ ይስራሓሉ

ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ስትሞን ዓሊግድርን ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ንጽህና ከባቢኦም ብምሕላው ጥዕናኦም ንምውሓስ ዘኽእሎም ስጕምቲ ወሲዶም። እቶም ነበርቲ፡ ጽሬት ከባቢኦም ንምርግጋጽ ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ንምድንፋዕ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ከም ዘቖሙ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።...

ዳህላክ – ትካላት ጥዕና ተጠቀምቲ ጸሓያዊ ጸዓት ኮይነን

ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ደርቡሸትን ጀምሂለን ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ተጠቀምቲ ጸሓያዊ ጸዓት ከም ዝኾና፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክኢላ ቴክኖሎጂ ጸሓያዊ ጸዓት ኣቶ ወልዱ ሓይልኣብ ሓቢሩ። ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ ወልዱ፡ እቲ መደብ ኣካል ናይ’ቲ...

ከረን – ትካል ‘ሰብ-ሰርሖ መሓውር’ ኣገልግሎቱ የስፍሕ

ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ትካል ሰብ- ሰርሖ መሓውር፡ ንጥፈታቱ ብምስፋሕ ጠለባት ስንኩላን ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ሓላፊ’ቲ ትካል ኣቶ ማእከለ ተኸስተ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ‘ቲ ትካል፡ ስንኩላን ከይተጸገሙ መዓልታዊ ሂወቶም ከሰላስሉ ንምሕጋዝ ምዃኑ፡ ዛጊት ድማ...

31 ዜጋታት ብደረጃ ማስተርስ ተመሪቖም

ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ምሕደራ ስዊዝን ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ከምህሮም ዝጸንሐ 31 ዜጋታት፡ ትማሊ 21 ሚያዝያ፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብማስተርስ ተመሪቖም።...

ዓዲ-ሕዱግ – ሓንቲ ኣደ፡ ኣርባዕተ ማናቱ ተገላጊላ

ኣብ ዓዲ-ሕዱግ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ እትነብር ወ/ሮ ምሕረት ገብረማርያም እተባህለት ኣደ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣርባዕተ ማናቱ ተገላጊላ። እዛ ብዝተገብረላ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዝሓረሰት ኣደ፡ ጥንሳ ኣዝዩ ከቢድ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ...

ጋሽ-ባርካ – ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጻጽጻር ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጻጽር፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኰለላን ምውሳድ ስጒምቲን ዘጠቓልል ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ክፍሎም ኣድሓኖም...

Login

Categories