Author - Staff

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ንመማህራን ናይ ሕክምና ትምህርቲ ተዋሂቡ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ትካላት ጥዕና ምሕድግ ኣብ ዝበለ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ተመሃሮ፡ ህጹጽ ረድኤት ንክረኽቡ ዝዓለመ ን30 መማህራን ናይ ሕክምና ስልጠና ተዋሂቡ። እቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ቅሮራን ኣዶብሓን ንዝተዋጽኡ መማህራን...

ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ተሳቲፋ

ኤርትራ፡ ብኣምባሳደራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር ተወኪላ፡ ብ3ን 4ን ግንቦት ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ ቊጠባዊ ልምዓት ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ተሳቲፋ። እቲ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ...

“መንግስቲ፡ ምዕሩይ ተጠቃምነት መሬት ብዕቱብ ይዓዪየሉ ኣሎ” ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ

ወለዶታት፡ ምዕሩይ፡ ውርጹጽን ብማዕረ ዘርብሕን ተጠቃምነት መሬት ንኽህልዎም፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ዝዓዪየሉ ዘሎ ምዃኑ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ ገሊጹ። ሚኒስተር ተስፋይ ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ሕብረተ-ሰብ...

ፋንኮ – ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ጥሪትን ኣግራብን ጉድኣት ኣውሪዱ

ብ5 ግንቦት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ፋንኮ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ጥሪትን ኣግራብን ጉድኣት ኣውሪዱ። በቲ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዘጋጠመን ጠንቁ ዛጊት ኣብ መርመራ ዘሎን ባርዕ፡ 206 ኣባጊዕ ክሞታ እንከለዋ፡ ኣስታት 16 ሄክታር ዕሙር ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ኣብ ኮርፖረሽን...

ኣብ ከተማ ኣቑርደት ዝተኸስተ ጸገም ዝስተ ማይ ተፈቲሑ

ኣብ ከተማ ኣቑርደት፡ ብሰንኪ ምድፋን ዒላ፡ ምብልሻው መጨንጒዒን እርጋን ሻምብቆታትን ዝተኸስተ ጸገም ዝስተ ማይ ንምቅላል፡ ኣገዳሲ ስጒምቲ ከም እተወስደ፡ ሓላፊ ልምዓት ማይ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ገሊጹ። ኣቶ ብርሃነ መሓሪ፡ ዝኣረገ ሻምብቆታት ከም እተቐየረ፡ ኣብ...

ናቕፋ – ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምክልኻል ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ኣብ ከባቢ ሩባ ሞዖ ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእዮ ዓፋፉን፡ ብምትሕብባር ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ተማሕዩ ከምእተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ቲ ሓደገኛ ባልዕ ንሓረስቶት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡...

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ በሪኽ ዘትዩ

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ብ7 ግንቦት ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞ ኮማት ኣብ ኣተገባብራኡን ብሰፊሑ ዘትዩ። ኣብ’ቲ ዝምልከቶም ሓለፍቲን ኣመሓደርትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ድሮ ንዝሰላሰል ዘሎን ኣብ ውጥን...

ደቡብ – 228 ተመሃሮ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሎም

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ 228 ተመሃሮ፡ ብ4 ግንቦት ኣብ መንደፈራ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሉ። እቲ ዕላማ፡ ጻዕራማት ተመሃሮ ብምትብባዕ ናብቶም ካልኦት ቅዱስ ቅንእን ናይ ተወዳዳርነት...

ሽዕብ – ውሕጅ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ዕንወት ኣውሪዱ

ብ25 ሚያዝያ ካብ በረኽቲ ጎቦታት ዝወረደ ሓያል ውሕጅ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ንዝርከብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ከምዘዕነወ፡ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በቲ ውሕጅ፡ ልዕሊ 3500 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ብኸቢድ ከምዝተሃስየ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።...

ጀራዲን ገማግም ሩባ ጋሽ ንምምዕባል ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ከባቢ ሓውሲ ከተማ ተኾምብያ ኣብ ዝርከብ ገማግም ሩባ ጋሽ ብውልቀ- ሓረስቶት ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ጀራዲን ንምምዕባል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ኣልማዕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ብዘለዎ ጸጋታት ማይን መሬትን ንኣሕምልትን ፍረታትን ምቹእ ምዃኑ...

Login

Categories