ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ትማሊ ስለዘይሰረቐት፡ ሎሚ መዛዘሚት ወርሒ ሻዕባን ተቘጺራ፡ ጾም ሮሞዳን ጽባሕ ሓሙስ 17 ግንቦት ከምዝጅምር፡ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ሓቢሩ ኣሎ።
ርሑስ ምጅማር ጾም ሮሞዳን ንኹሎም ኣመንቲ።
Author - Staff
“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብ14 ግንቦት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ባና – ጐዳይፍ ብወግዒ ዝተጀመረ ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ብውዕዉዕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ...
ኣባል ስታፍ ሎጀስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ያሲን ዓብደልባሪ መሓመድ (ወዲ-ባሪ)፡ ብሕማም ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ13 ግንቦት 2018 ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ያሲን፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ...
ናብ ታሪኻውን ጥንታዊ ቅርስታት ዝሓቘፈን ቦታታት ዝግበር ዑደት፡ ኣካል ዓመታዊ ካላንደር ትምህርቲ ክኸውን፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሰምሃር – ባጽዕ ኣዘኻኺሮም። እቶም ናብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዑደት ዝገበሩ ተመሃሮ፡ ብዓይኖም ዝተዓዘብዎን...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻርን ንምጥፋእን ብዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት፡ ብመስኖ ኣብ ዝለምዐ ጀራዲን በቚሉ ዝነበረ ዓፋፉን ተማሕዩ ከምእተቓጸለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። እቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማዕረባ፡ ሓዲዳ፡ ደግራ-ልብኤ፡ ሔቦ፡ ኣኽሩር፡...
“ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ንካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣጋጣሚ ዑደት፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ‘ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ’ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም ምእንቲ ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ...
ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓን ጋላ- ነፍሒን፡ ብ9ን 10ን ግንቦት፡ ብዛዕባ ልምዓታዊ መደባትን ተራ ኮም ኣብ ትግባረኦምን ዝዘተየ ርክባት ተኻዪዱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብቶም ዝሰላሰሉን ንትግባረ ዝበጋገሱን ዘለዉ ናይ ልምዓት...
ምጅማር ወርሒ ሮሞዳን እተበስር ሂላል፡ ሰሉስ 15 ግንቦት ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኩሎም ኣመንቲ ነዚ ንምርግጋጽ ትኲራት ኰይኖም ክከታተሉ፡ ምውጻኣ ዘረጋገጸ ድማ፡ ናብ ዝቐረበ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ መጅልስ ኣውቓፍ...
ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጌሪዳ – ንኡስ ዞባ ጎኜ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብ ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። በቲ ባርዕ፡ ኣብ 40 ሄክታር ዝነበረ ዓርኮካባይ ዝርከቦ ብውሑዱ 400 ዓበይቲ ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ...
ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎ፡ ሓልሓልን ሓመልማሎን፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ቅነ፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠትን ስነ-ጥበብን፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ባህላዊ መነባብሮን ኣልባሳትን...