Author - Staff

ሓበሬታ ብዛዕባ ምጅማር ጾም ሮሞዳን

ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ትማሊ ስለዘይሰረቐት፡ ሎሚ መዛዘሚት ወርሒ ሻዕባን ተቘጺራ፡ ጾም ሮሞዳን ጽባሕ ሓሙስ 17 ግንቦት ከምዝጅምር፡ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ሓቢሩ ኣሎ።
ርሑስ ምጅማር ጾም ሮሞዳን ንኹሎም ኣመንቲ።

ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል ብውዕዉዕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ

“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብ14 ግንቦት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ባና – ጐዳይፍ ብወግዒ ዝተጀመረ ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ብውዕዉዕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ...

ገዲም ተጋዳላይ ያሲን ዓብደልባሪ ተሰዊኡ

ኣባል ስታፍ ሎጀስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ያሲን ዓብደልባሪ መሓመድ (ወዲ-ባሪ)፡ ብሕማም ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ13 ግንቦት 2018 ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ያሲን፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ...

ባጽዕ – ተመሃሮ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ በጺሖም

ናብ ታሪኻውን ጥንታዊ ቅርስታት ዝሓቘፈን ቦታታት ዝግበር ዑደት፡ ኣካል ዓመታዊ ካላንደር ትምህርቲ ክኸውን፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሰምሃር – ባጽዕ ኣዘኻኺሮም። እቶም ናብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዑደት ዝገበሩ ተመሃሮ፡ ብዓይኖም ዝተዓዘብዎን...

ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻርን ንምጥፋእን ብዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት፡ ብመስኖ ኣብ ዝለምዐ ጀራዲን በቚሉ ዝነበረ ዓፋፉን ተማሕዩ ከምእተቓጸለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። እቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማዕረባ፡ ሓዲዳ፡ ደግራ-ልብኤ፡ ሔቦ፡ ኣኽሩር፡...

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

“ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ንካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣጋጣሚ ዑደት፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ‘ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ’ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም ምእንቲ ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ...

ኣብ ሰረጀቓን ጋላ-ነፍሕን ብዛዕባ መደባት ልምዓት ተዘትዩ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓን ጋላ- ነፍሒን፡ ብ9ን 10ን ግንቦት፡ ብዛዕባ ልምዓታዊ መደባትን ተራ ኮም ኣብ ትግባረኦምን ዝዘተየ ርክባት ተኻዪዱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብቶም ዝሰላሰሉን ንትግባረ ዝበጋገሱን ዘለዉ ናይ ልምዓት...

ሓበሬታ ብዛዕባ ምርኣይ ወርሒ ሮሞዳን

ምጅማር ወርሒ ሮሞዳን እተበስር ሂላል፡ ሰሉስ 15 ግንቦት ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኩሎም ኣመንቲ ነዚ ንምርግጋጽ ትኲራት ኰይኖም ክከታተሉ፡ ምውጻኣ ዘረጋገጸ ድማ፡ ናብ ዝቐረበ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ መጅልስ ኣውቓፍ...

ጎኜ – ባርዕ ጫካ ኣብ ኣግራብ ዕንወት ኣውሪዱ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጌሪዳ – ንኡስ ዞባ ጎኜ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብ ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። በቲ ባርዕ፡ ኣብ 40 ሄክታር ዝነበረ ዓርኮካባይ ዝርከቦ ብውሑዱ 400 ዓበይቲ ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ...

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎ፡ ሓልሓልን ሓመልማሎን፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ቅነ፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠትን ስነ-ጥበብን፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ባህላዊ መነባብሮን ኣልባሳትን...

Login

Categories