ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓዲ-ጥልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን24 ግንቦት – ዕለተ ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብሓበን ጸምቢሎምዋ። ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ –...
Author - Staff
ኣሚር ሃገረ ቐጠር ተሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒን፡ ሱልጣን ዖማን ቓቡስ ቢን ስዒድን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም። እቶም መራሕቲ ብስሞምን ብስም ህዝቢታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡...
ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምውሓስ ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ዘተኰረ፡ ፖሊስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኮሚተታት መሰላት ቈልዑ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ድባርዋን ዝተሳተፍዎ ርክብ – ኣብ ተራ- እምኒ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ክልቲአን ንኡሳን ዞባታት ናይ...
ኣብ ከተማ ናቕፋ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ንኡስ ዞባን መሻርኽቱን፡ ከምኡ’ውን ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ኣድማዒ ንጥፈታት ይሰላሰል ኣሎ። እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ምንጪ ማይ፡ ምህናጽ 150 ፊስቶ ዝሕዝ መኸዘኒ፡ ምዝርጋሕ ሰለስተ ኪሎ-ሜተር...
ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ካሊፎርንያ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቱቢንገን – ጀርመንን፡ ንመበል 27 በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ንርዝነትን ክብሪን ናይ’ታ ዕለት ብዘንጸባረቕ መደባት ብድምቀት...
መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ሊብያን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ...
ትማሊ 28 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ኣውቶቡስ፡ 33 ሰባት ሞይቶም። በዚ ካብ ኣስመራ ኣብ ኣስታት 52 ኪሎ ሜተር – ከባቢ ሽንድዋ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም መራሒ...
ተቐማጦ ከተማ ናቕፋ፡ ፕሮጀክት ማይ ናብ ዝሰላሰለሉ ዘሎ ሩባ ወግሬት ዝኣቱ 15 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ንማሽነሪታት ዘሕልፍ ንምግባሩ ይጽግንዎን የስፍሕዎን ከምዘለዉ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ዘካይድዎ ዘለዉ ወፈራ፡ ነቲ ፕሮጀክት ብምቅልጣፍ ዘለዎም ጸገም...
ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ካብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ንዝተዋጽኡ ኣስታት 40 ክኢላታት ሕርሻ፡ ኣብ ምክልኻል ሳጋሚ ባርኖስ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ “ምሕደራ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ብመንገዲ ውሁድ ምክልኻል ባልዓት” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 16 ክሳብ 20 ግንቦት...
መራሕቲ ኣይቮሪኮስት፡ ኔዘርላንድስ፡ ግሪኽን ስሪላንካን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኣይቮሪኮስት – ኣላሳን ዋታራ፡ ንጉስ ኔዘርላንድስ – ሚልየም...