Author - Staff

ነበርቲ ዋሊኩ ንስድራ ስዉኣት ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም

ኣብ ከተማ ከረን – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዋሊኩ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎኦም ንዝነብሩ 75 ስድራ ስዉኣት ልዕሊ 15 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪቶም። እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ምእላይ ስድራ ስዉኣት ንመንግስቲ...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሰማእታቶም ብሓበን ዘኪሮም

ኣብ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ኬንያ፡ ቐጠር፡ ከምኡ’ውን ርያድ – ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ን20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብሓበን ዘኪሮም። ኣብ ከተማታት ሙንሸንግላድባኽ፡ ሙኒኽን ፍራይቡርግን – ጀርመን...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር መብጸዓኦም ኣሐዲሶም

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢጣልያን ኦስትርያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘካየድዎ ዝኽሪ ሓበን፡ ሕድሪ ሰማእታት ብዓጸፋ ስራሕ ንምትግባር መብጸዓኦም ኣሐዲሶም።...

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብልዑል ሓበን ተዘኪራ *መንግስቲ ኤርትራ፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ከበግስ እዩ

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – 20 ሰነ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብልዑል ሓበን ተዘኪራ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡...

ሰማእታት ጃምላዊ ህልቂት ሕርጊጎ ተዘኪሮም

ብኣጋጣሚ 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ 1975ን 1976ን ኣብ ሕርጊጎ ብኣረሜናዊ ግፍዒታት መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ ንዝተቐትሉ ልዕሊ 350 ዜጋታት ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ትማሊ 19 ሰነ ዝተኻየደን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተሳተፎን...

ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ሰማእታቶም ብሓበን ዘኪሮም

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካምፓላን ከባቢኣን – ኡጋንዳ፡ ብ17 ሰነ ሰማእታቶም ብሓበን ዘኪሮም። እቶም ዜጋታት ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብማርሽን ባንድ ዝተሰነየ ናይ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ እግሪ፡ ከምኡ’ውን ምውላዕ ሽምዓ ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ቦታ...

Login

Categories