Author - Staff

ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ 393 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝርከብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስነ-ስርዓት፡ 10 ብማስተርስ፡ 189 ብቀዳማይ ዲግሪ፡ 194 ድማ ብዲፕሎማ ብጠቕላላ 393 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ...

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ 1313 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኮሌጃት ምህንድስና፡ ስነ-ፍልጠትን ትምህርትን ዘጠቓልል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ንመበል 11 ግዜኡ ኣብ ዘካየዶ ስነስርዓት፡ 1313 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ብ45 ዓውድታት ዝወድኡ ተመረቕቲ፡ 32 ብማስተርስ፡ 678 ብዲግሪ፡ 603 ድማ ብዲፕሎማ እዮም...

ኣብ ዞ/ዓንሰባ፡ ተኽሊ ማንጉስ ንምትብባዕ ጐስጓሳት ይካየድ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ፍርያት ማንጉስ ክብ ንምባል ኣብ ሓረስቶት ዝተኻየደ ጐስጓሳት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ክኢላ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ከሰተ ጐይትኦም ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከብ 652 ሄክታር ጀራዲን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ...

ጋሽ-ባርካ – ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይሰላሰል

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቊጽጻር ብዝትግበር ዘሎ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆን ተሰነይን ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተገሊጹ። ዝተወጠነ መደባት ንምዕዋት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ደምበ...

ኣብ መስመር ኣስመራ – ባጽዕ፡ ንተራኣይነት ተሽከርከርቲ ዝሕግዝ መረጼናት ተተኺሉ

ብምትሕብባር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራን ኩባንያ ቶታል ኤርትራን፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ባጽዕ፡ ንተራኣይነት ተሽከርከርቲ ዝሕግዝ መረጼናት ኣብ ቀንዲ ኩርባታት ተተኺሉ። ብ3 ሓምለ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡...

ጋሽ-ባርካ – ምርባሕ ዓሳታት ኣብ ዲጋታት ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺብዎ

ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ዲጋታት ፋንኮ-ራዊን ፋንኮጽሙእን ዝካየድ ዘሎ ምርባሕ ዓሳታት ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ገሊጹ። ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ መኮነን ግርማይ ምስ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፌስኮ – ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ...

Login

Categories