Author - Staff

ማሕበር ለገስቲ ደም ዞ/ሰ/ቀ/ ባሕሪ ንጥፈታቱ የሐይል

ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምህብታም፡ ካብ 17 ክሳብ 23 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ዕዉት ንጥፈታት ኣካዪዱ። ኣብ’ዚ ብውህደት ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዓመ ወፍሪ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ 504፡...

ኣብ ቅሮራ፡ ኣጠቓቕማ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዘሪቡሉ

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ቅሮራ፡ ብ21 ለካቲት – ኣብ ድገ-ቅሮራ ኣብ ኣጠቓቕማ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተመያይጦም። ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ እድሪስ መሓመድ-ስዒድ፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ምኹዓት መስመራት ማይ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡...

ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ገምጋም ስራሕ ዞባታት ኣካዪዱ

ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ንጥፈታት ክፍልታት ባህልን ስፖርትን ኣብ ዞባታት፡ ብ28 ለካቲት ብኣኼባ ገምጊሙ። ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ገምጋም ዕላማኡ – ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስራሕ ዘጋጠመ ሕጽረታትን ዝነበረ ብልጫታትን ርኢኻ፡...

ጸሎት – ኣዛዚት 7ይ መደበር ፖሊስ ኣስተምህሮ ሂባ

ኣብ ዞባ ማእከል – ምምሕዳር ከባቢ ጸሎት፡ ብ1 መጋቢት ንልዕሊ 800 ነበርቲ – ኣብ ምግታእ ገበናትን ሓደጋታትን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣዛዚት 7ይ መደበር ፖሊስ ካፕቴን መርየም ጣህር፡ ኣብ ገበናውን ሲቪላውን ሕጊ፡ ዕላማን ተልእኾን ፖሊስ፡...

መንጉላ – ጸገም ማይ ፍታሕ ክናደየሉ ይሕተት

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መንጉላ – ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ጸገም ማይ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም። እቲ ጸገም፡ ምስ ምንቁልቋል ትሕተባይታዊ ማይን ምምላእ ድበት ራህያታትን ከምእተኸስተ ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ምጉራት ማይ...

መንደፈራ – ነበርቲ ብድምጺ ሙዚቃ ኣማሪሮም

ካብ ኣብያተ-ሙዚቃ ዝወጽእ ዓቐኑ ዝሓለፈ ድምጺ መግትኢ ክግበረሉ፡ ነበርቲ ከተማ መንደፈራ ሓቲቶም። ብከላ ድምጺ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ማይን ኣየርን ብከላ – ሳዕቤናቱ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝጠቐሱ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ንኡስ ዞባ መንደፈራ...

ዓንሰባ – ሓድሽ ፍቓድ ንግዲ ብልዕሊ 45 ሚእታዊት ወሲኹ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ሓድሽ ፍቓድ ንግዲ ናይ ዘውጽኡ ነጋዶ ብዝሒ፡ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ45.7 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፡ ምሕዳስ ነባር ፍቓድ ንግዲ ብኣንጻሩ – ብ3.8 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተሓቢሩ። ሓላፊ ጨንፈር ንግዲ ኣቶ...

Login

Categories