ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሞት ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ትማሊ ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢ – ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ...
\ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ዝተላእከ፡ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ዓይነስዉራን ዝሕግዝ ዓይነታዊ ደገፍ ረኺቡ። እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ማሕበር ኤርትራውያን ጽሙማንን ዓይነ-ስዉራንን ዝተላእከ ሓገዝ፡...
ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። ንሳቶም፡ 2 ካብ ባረንቱ 1 ካብ ጐልጅ – ዞባ ጋሽባርካ፣ 2 ካብ ሰምበል 1 ካብ ገጀረት 1 ድማ ካብ ቪላጆ – ዞባ ማእከል እዮም።...
በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ “ውሑስ ልምዓት – ብውህደትን ተሳታፍነትን መሻርኽቲ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል – ኣብ ዕቃበን ልምዓትን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘሎ ኣፍልጦን ተሳታፍነትን ንምብራኽ፡ ትማሊ 13 ግንቦት ኣብ...
ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ተኣላዪ ስንኩል ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ተወልደ ብርለ፡ ብ12 ግንቦት ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ...
ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ “ንያትና – ናጻ ሕርያና’’ ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 16 ግንቦት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ብወግዒ ተጀሚሩ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ብተመሃሮ ንዝተዳለወ...
ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ ዓድታት፡ ኮም ማእከል ዝገበረ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ንምውሓስ ክነጥፋ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ሙሉጌታ ሃይለ ኣዘኻኺሩ። ዶ/ር ሙሉጌታ ነዚ መዘኻኸሪ ሓሳብ ዝሃበ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጋላ-ነፍሕን ሰረጀቓን ዝርከባ ዓድታት...
ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝነጥፋ ትካላት መንግስቲ ንዝመጽኡ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 32 ውሽጣዊ ኦዲተራት፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ስልጠና ሂቡ። እቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ግንቦት ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ዝተዋህበ ስልጠና፡...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኰይኑ ብምምራጹ፡ ትማሊ 14 ግንቦት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብስሙ ከምኡ’ውን ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡...
ብምኽንያት 15 ግንቦት – ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ማእከል ናይ ምግራብን ምክንኻን ኣግራብን ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጨንፈር በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ...