Author - Messi Samuel

ጨ/ንግዳዊ ባንክ ዓዲ-ወግሪ፡ ኣገልግሎቱ የስፍሕ

ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ዓዲ-ወግሪ፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ዓማዊሉ ዝዓግቡሉ ጽፈትን ስሉጥነትን ንምርግጋጽ፡ ብኮምፕዩተር ቴክኖሎጂ ብዝተደገፈ ኣሰራርሓ ይነጥፍ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ባንክ ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ፡ እቲ ባንክ ሞያዊ ዓቕሙን መሳርሒታቱን...

ኣብ ን/ዞባ ከርከበት፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምሕያል ብውህደት ክስራሕ ተሓቲቱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ መስርሕ መምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ወለድን መማህራንን ብውህደት ክሰርሑ ተሓቲቱ። ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ማሕሙድ እድሪስ፡ ዝርጋሐ ኣብያተ-ትምህርቲ እናሰፍሐ...

ኣብ መላእ ሃገር ወፈራታት ጽሬት ተኻዪዱ

ብምኽንያት 5 ሰነ – ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣከባቢ፡ ‘‘ዓለምና እንኮ እያ’ሞ ንዓቅባ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰፊሕ ወፈራዊ ጽሬት ተኻዪዱ። ነቲ ምስ ፕሮጀክት ዓዲ ሃሎ ብምውህሃድ ብ5 ሰነ ኣብ ዞባ ማእከል ዝተኻየደ ወፈራ ብዝምልከት፡ ኣብ...

ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት – 115 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ሞያዊ ትምህርቲ ተዋሂብዎም

ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፡ ምስ ኮሌጅ ስነፍልጠት ማይ-ነፍሒ ብምትሕብባር ኣብ ዝወደቦ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝተሳተፉ 40 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 115 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ብ1 ሰነ ተመሪቖም። እቶም ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡...

ከረን – ቤት-ትምህርቲ ዳር-ኣ’ሰላም ንምስፋሕ እምነ-መሰረት ተነቢሩ

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ዳር-ኣ’ሰላም ንምስፋሕን፡ ዝጸንሓ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ጸገም ንምፍታሕን ዝወጽአ ውጥን ንምብጋስ፡ ብ3 ሰነ እምነ-መሰረት ኣንቢሩ። እቲ ብተሳትፎ ሕብረተ-ሰብ ዝህነጽ...

ሓበሬታ

ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኡ ማይተመናይ ዝዀነ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,768 በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም፡ 9,653...

መራሕቲ ሸውዓተ ሃገራት ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም

መራሕቲ ሞሮኮ፡ ማውሪታንያ፡ ሱዳን፡ ህንዲ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኣየርላንድን ሩስያን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽታት ሰዲዶም። ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻድሻይ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማውሪታንያ...

ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ምምካት ደርቂ፡ ምድካይ መሬትን ምድረ-በዳነትን ተሳቲፋ

ኤርትራ፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ግንቦት ኣብ ኣቢጃን – ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተጋብአ ዓለማዊ ዋዕላ ምምካት ደርቂ፡ ምድካይ መሬትን ምድረ-በዳነትን ተሳቲፋ። ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻን ቤት-ጽሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዝቘመ...

ደቡብ – ሽግ ናጽነት ዑደታ ዛዚማ

ብ16 ግንቦት ካብ ግንባር ደቀምሓረ – ዕርዲ ኣፈልባ ነቒላ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ዑደት ክትገብር ዝቐነየት ‘ሽግ ናጽነት’፡ ብ20 ግንቦት ኣብ’ቲ ወራሪ ስርዓት ወያነ ዝተሳዕረሉ ዕርድታት ዓዲበጊዖ ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዑደታ ዛዚማ። ኣብ’ቲ...

ብርሰት ባህርያዊ ኣከባቢ ንምግታእ ብሓያል ኣወዳድባ ክዕየ ጻውዒት ቀሪቡ

ብርሰት ባህርያዊ ኣከባቢ ብሓፈሻ፡ ምድካይ ህይወታዊ ብዙሕነት ድማ ብፍላይ ንምግታእ፡ ኣወዳድባና ኣሐዪልና፡ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ክዕየ፡ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባቢን ብኣጋጣሚ 22 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ህይወታዊ ብዙሕነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ። እቲ...

Login

Categories