ፖሊስ ኤርትራ፡ ብልዕሊ 7.5 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መቐርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ዘስርሖ መደበር ፖሊስ፡ ብ19 ለካቲት ተመሪቑ። እቲ ኣብ 3,200 ትርብዒት ሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተደኰነ መደበር ፖሊስ፡ 11 ንኣብያተ-ጽሕፈት ዘገልግሉ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ካብ ናይ 2021 መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ እቲ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ ከምእተተግበረ፡ ብ10 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ። ሕርሻዊ እቶት ግን፡ ዝናብ ሎም-ዘመን ኣብቲ ከባቢ ትሕቲ ንቡር ብምንባሩ፡ ብ30...
ነበርቲ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ንምትብባዕ፡ ብ20 ለካቲት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሸሸቢት፡ ብባህላዊ መሰናድኦ ዝተሰነየ እንግዶት ወዲቦም። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ግደ እስቲፋኖስ ኣብ...
ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 13 ዜጋታት፡ ሓውዮም ትማሊ ተፋንዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,689 በጺሑ ኣሎ። 9,572 ካብ’ዚኦም ሓውዮም...
ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ምዕሩይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብምስፋሕ – ርትዓውን ስሉጥን ኣገልግሎታት ንምርግጋጽ፡ ንኣባላት ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓትን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ስልጠና ወዲቡ። እቲ ካብ 15 ክሳብ 17 ለካቲት ኣብ ከተማታት መንደፈራን ደቀምሓረን ዝተዋህበ...
ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ዝጸንሖ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ሓድሽ ዓውድታት ኣገልግሎት ንምጅማርን ዝሕግዞ ዘመናዊ መሳርሒታት ኣተኣታትዩ። ሜዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶ/ር ተስፋስላሴ እዮብ፡ ሕጽረት ምስትንፋስን ድኻም ልቢን ንዘለዎም ቈልዑ ዘገልግል መሳርሒታት፡...
ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ኣብ መንጎ መማህራን፡ ተመሃሮን ኣለይትን ዘሎ ዝምድና ብምድልዳልን ሕጽረታት ብምፍዋስን፡ ተመሃሮ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ሒዞም ንኽወጽኡ ብዝለዓለ ከምዝሰርሕ፡ ብ19 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ርእሳነ...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። ንሳቶም፡ ሓደ ካብ ሓመልማሎ፡ ሓደ ድማ ካብ ሃበሮ እዮም። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ...
ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፋሕን ብዓይነት ንምምዕባልን ዝካየድ ጻዕሪ ንምድንፋዕ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብን መሻርኽቲ ኣካላትን ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ጸዊዑ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር...
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል 1,352,421 ዶላር ወፍዮም። ካብ’ቲ ገንዘብ፡ እቲ 818,965 ዶላር ንምንባይ ስድራ ስዉኣት፣ 553,456 ዶላር ድማ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ...