ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ኩነታት ትምህርቲ ብሓፈሻ ውጽኢት ተመሃሮን ብቕዓት ትምህርትን ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ስራሓት ድማ ብፍላይ ንምዝታይ፡ ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ዋዕላ ኣቃኒዑ። እቲ ዋዕላ፡ ኣካል ናይ’ቲ መስርሕ ምምሃርን...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣርባዕተኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,719 በጺሑ ኣሎ። 9,613 ካብ’ዚኦም...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ጸናፍ፡ ኣብ ማሕበረቁጠባዊ ህይወቶም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብደገፍ ማሽነሪ ይጽግንዎን የስፍሕዎን ኣለዉ። እቲ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ – መንደፈራ ናብ ዓዲ-ጸናፍ ዝኣቱ 7 ኪሎ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ብቐሊል ዘይግመት ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ሓደጋታት ትራፊክ ንኽግታእ፡ ሕግታት፡ መምርሒታትን ምልክታትን ክኽበሩ ጻውዒት ቀሪቡ። ሓላፊ መርመራ ሓደጋ ትራፊክ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ከሰተ ክፍለሚካኤል፡ ሓደጋታት...
ኣብ ቆላታት ልሙድ ዘይነበረ ልምዓት ድንሽ፡ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ብምልላይ ዝተገብረሉ ፈተነ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ከምኡ’ውን ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣስታት 47...
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ሳዋ ከምኡ’ውን ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ብልዑል ድምቀት ተዘኪራ። እቲ ተመሃሮ መበል 13 ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ተዓለምቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ...
ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ 388 ተመሃሮ፡ ሽልማት “ዒንደማሶ” ተቐቢሎም። ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ካብ 11 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ተመሃሮ፡ ልዕሊ 80...
ኣባል ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ ተወልደብርሃን (ደሻላይ)፡ ብ8 መጋቢት ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ፡...
ነበርቲ ሓውሲ-ከተማ ሻምብቆ፡ ኣብ ህንጸት መስመር ባረንቱ – ሻምብቆ – መንደፈራ ተዋፊሮም ኣገዳሲ ትሕተቅርጻዊ ስራሓት ንዘሰላስሉ ዘለዉ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት፡ እንግዶት ብምድላው ኣተባቢዖም። ውጽኢት ስራሕ፡ ድሮ ኣብ ህይወቶም...
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ምስ ክሊማን ሓመድን ሃገርና ዝሰማምዑ፡ ንምትእትታዎም ምስ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ብምትሕብባር ዝተሰርሓሎም ምሩጻት ኣዝርእቲ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃቡ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ሓቢሩ። ወኪል ሓላፊ ጨንፈር ኣቶ ኣብርሃም ኣርኣያ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ካብ...