ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዝርከብ ክፍሊ ውሽጣዊ ሕማማት፡ ኣገልግሎቱ ብስፍሓትን ዓይነትን ይብርኽ ከምዘሎ፡ ሓላፊ’ቲ ክፍሊ ዶ/ር ጐይትኦም ሓጐስ ሓቢሩ። እቲ ክፍሊ፡ ናይ ህጹጽ ረድኤት፡ እናተመላለሱን ተዓቚቦምን ናይ ዝሕከሙ ከምኡ’ውን ናይ ኲሊት ኣገልግሎት...
ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሕረት፡ ጨዓሎ-ሃዳድምን ዓዲ-ለጂን ንዝርከባ 11 ዓድታት ዘገልግል፡ ሓድሽ መስመር ከፊቱ። እቲ ብ10 መጋቢት ዝጀመረ ሓድሽ መስመር፡ ካብን ናብን ከተማ ዓዲ-ቐይሕን ዓዲ-ለጂን ኣገልግሎት ዝህብ...
ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ብ11 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን፡ ኣብ ታሪኽን ኣምር ሃገራውነትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ። ኣብ’ቲ ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበን፡ ልዕሊ 200 መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ሰሚናር፡ ኣብ ኣምር ሃገርን ሃገርነትን ሰፊሕ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ሓባር ዝነበረ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ክፍሊ ሃብቲ ማይ ዓዲ-ሃሎን ብዘካየድዎ ናይ ሓባር ጻዕሪ፡ 12 ነቝጣታት መዐደሊ ዘለዎ ሓድሽ ፕሮጀክት ተዋዲዱ። ቅድሚ ሕጂ...
ኣባላት ሃማደኤ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት ዞባ ማእከል፡ ብ9 መጋቢት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ንዝእለያ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ ብምብጻሕ፡ ናይ ኣልባሳትን ናውቲ ጽሬትን ሓገዝ ገይረናለን። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ መዲካል ዳይሬክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ...
ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ምስ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምትሕብባር – ብዓውድታት ሕሳብን ምሕደራ ቤትጽሕፈትን ዘሰልጠኖም 52 ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ፡ ብ11 መጋቢት ተመሪቖም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃኮሰኤ...
ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተወደበ፡ ዓውደ-ዘተ ‘ሃገራዊ ዳህሳስ ኢደጥበባዊ ስርሓት’ ብ10ን 11ን መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ። ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኢንዱስትርያዊ ልምዓት ኣቶ ታደሰ ወልደዮውሃንስ፡ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት...
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ብ10 መጋቢት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ማዪክ ኣዪ ዴንግ ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ህልው ኩነታት ዞባና ብሓፈሻን ዘትዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ጸገማቱ...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ዓዲ-ሓውሻ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ...
ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነበርቲ ከተማ ዓሰብ ንዝዀና ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ተዋፊረን መነባብሮአን ከመሓይሻሉ ዝሕግዘን ናይ ናውቲ ደገፍ ገይሩ። ብ11 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ፡ ሓላፊ’ቲ...