Author - Messi Samuel

ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ኣኼባ ‘TICAD’ መደረ ኣስሚዑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ26ን 27ን መጋቢት ብማንዛ ኣብ ዝተቓንዐ 8ይ ኣኼባ ሚኒስተራት ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ ቶክዮ ንምዕባለ ኣፍሪቃ’ – TICAD፡ ንመርገጺ ኤርትራ ኣብ ሰላም፡ ርግኣትን ሽርክነትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘነጽር መደረ...

ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ፍርያት ሕርሻ ብርትዓዊ ዋጋ ንምቕራብ ይሰርሕ

ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ቀረብ ሕርሻዊ ፍርያት ብርትዓዊ ዋጋ ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኮርፖረሽን ሜጀር ክብረኣብ ኣብራሃም ገሊጹ። እቲ ሓረስቶት ከይተጸገሙ – ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ጽቡቕ እቶት ክረኽቡን ብኣዝዩ ስማዊ ክፍሊት...

ኣብ ገልዓሎ፡ ናቕፋን ሞልቊን ምርጫታት ኣመሓደርቲ ተኻዪዱ

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎ፡ ናቕፋን ሞልቊን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ። ኣብቲ ናይ ገልዓሎ – ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ኣብ ጽፈትን...

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካዪዶም

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡ ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ ካብ 5 ክሳብ 19 መጋቢት ኣብ መላእ ከተማታት ጀርመን ክካየድ ዝቐነየ መደባት፡ ብ20 መጋቢት ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካዪዶም። ኣብ’ቲ ልዕሊ 500 ዜጋታት ብማንዛ ዝተሳተፍዎ ሰሚናር፡ ቀዳማይ ጸሓፊ...

ዶ/ር ሃብተ፡ ግዳያት ፊስቱላ ንምሕካም ክተባብዓ ይመክር

ሕብረተ-ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከባ ግዳያት ፊስቱላ፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ከይደን ንኽሕከማ ከተባብዐን፡ ክኢላ መወለዳን ዶ/ር ሃብተ ሃይለመሎኮት ኣዘኻኺሩ። ዶ/ር ሃብተ ነዚ ዘዘኻኸረ፡ ወከልቲ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ...

ሓበሬታ

ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣምባርዳእ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,724 በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም፡ 9,620 ሓውዮም...

መርገጺ ኤርትራ መብርሂ ድሕሪ-ድምጺ 24 መጋቢት 2022 – ኒውዮርክ

ክቡር ፕረዚደንት፣ • ኤርትራ ኣብ ምርዓም ንድፈ ውሳነ፡ A/ES-11/L2 (ጉዳይ ሰብኣዊ ሳዕቤናት መጥቃዕቲ ዩክረይን) ዝወሰደቶ መርገጺ ብዝምልከት፡ እዚ ዝስዕብ መረዳእታ ክትህበሉ ትደሊ። • እቲ ዝተራዕመ ንድፈ ወሳነ፡ ብዘጒሂ መገዲ፡ ነቲ ብ2 መጋቢት ዝሓለፈ፡...

ድባርዋ – ዕዉት መደባት ከባብያዊ ጽሬት ተሰላሲሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኮም ዘማእከለ ሓባራዊ መደባት ጽሬት ብሰፊሑ ንምትግባርን፡ ከም ባህሊ ንምስራጹን – ውጽኢታዊ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ዝተሓበረ፡ ኣብ ዓድታት ዓዲ-ገብራይ፡ ዓዲሳልዳይት፡ ዓዲ-ሃሎ፡ ቤት-ገብሪኤል፡ ዓዲ-ዕቑባት፡ ኣማድር፡...

ብኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ ስራሓት ውጽኢት ሕርሻን ኢደ-ጥበብን ንምርኢት ቀሪቡ

ብኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ – ውጽኢት ሕርሻን ልምዓት ዓሳን፡ ስራሓት ማእለማን ቅዲ ክዳንን፡ ስራሓት ካይላን ናይ ቅብኣ ስእልታትን ዘጠቓለለ ትሕዝቶ፡ ካብ 24 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ ንምርኢት ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ካብ ወደብቲ ምርኢት ወ/ሮ ንግስቲ...

ማእከል – መሕለፊ ነጥቢ ናይ ዘመዝገቡ ተመሃሮ ቊጽሪ ዕብየት ኣርእዩ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 መሕለፊ ነጥቢ ናይ ዘመዝገቡ ተመሃሮ ቊጽሪ ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ22 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ። ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ ካብ መባእታ ክሳብ...

Login

Categories