Author - Messi Samuel

ባይቶ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ፡ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቴማ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብ29ን 30ን መጋቢት ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣቃኒዑ። ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ ሼኽ፡ ውሕስቲ፡ ብልጽግትን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈናን ሃገር ንመጻኢ ወለዶታት ንምርካብ ረዚን ዋጋ ከምእተኸፍለ፣ ሎሚ...

ተጋዳላይ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ ተሰዊኡ

ኣባል ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን – ገዲም ተጋዳላይ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ በርሀ፡ ብ30 መጋቢት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ኢንጅነር ሰመረ፡ ኣብ እዋን...

ዓንሰባ – ሃማደኤ፡ 23 ዜጋታት ብዝተፈላለየ ዓውደ-ሞያ ኣሰልጢኑ

ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ፡ ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ዘሰልጠኖም 23 ዜጋታት፡ ብ24 መጋቢት ተመሪቖም። ተመረቕቲ – 10 ደቂ-ኣንስትዮ ብሞያታት ቅዲ ክዳን፡ ኢደ-ጥበብን ሲንጀርን፣ 4 ደቂ-ተባዕትዮን 9 ደቂ-ኣንስትዮን ድማ ብኮምፕዩተር...

ሓበሬታ ብዛዕባ ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን

ሂላል ወርሒ ሮሞዳን፡ ሎሚ ዓርቢ 29 ሻዕባን 1443 ህጅርያ – ማለት 1 ሚያዝያ 2022 ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ምስ ዝረጋገጽ፡ ቀዳም 2 ሚያዝያ ፈላሚት ዕለት ወርሒ ሮሞዳን 1443 ትኸውን።...

ደ/ቀ/ባሕሪ – ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ናይ ስራሕ መምርሒ ተዋሂቡዎም

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ብ28ን 29ን መጋቢት ምስ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ገደብ ስልጣንን ንምልላይ ኣብ ዝተወደበ መደብ፡ ናይ ስራሕ መምርሒ ተዋሂቡ። ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር...

ኣብ ፎርቶ-ሳዋ፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 28 መጋቢት ተኻዪዱ። ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዑስማን እድሪስ፡ እቲ ኣካል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዀነ ቅነ፡...

ኣብ ቅሮራን ፎሮን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ተኻዪዱ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ቅሮራን ፎሮን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ። ኣብ 11 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ 9 ሓደስቲን 13 ነባራትን ብጠቕላላ 22 ኣመሓደርቲን ኣካየድቲ ስራሕን ከምኡ’ውን 30...

ማእከል – መደበራት ፈልሲ፡ ጠለባት ምግራብ የማልኣ

ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ መደበራት ፈልሲ፡ ኣብ መደባት ምግራብ ዕዉት ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ፡ ዘዝምልከቶም ሓለፍቲ ገሊጾም። ሓላፊ ኣሃዱ ሕርሻ ኣቶ ኣብርሃም እዮብ፡ ኣብ 2020/2021 ካብ መደበር ፈልሲ ቤት-ገርግሽ ዝተወስደ – ኣስታት 240 ሽሕ...

ሓበሬታ

ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ እንገላ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,728 በጺሑ ኣሎ። 9,620 ካብ’ዚኦም ሓውዮም...

ልዕሊ 100 ተመሃሮ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ሞያዊ ትምህርቲ ተዋሂብዎም

ብምውህሃድ ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ኣብ ዝተወደበ፡ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝተሳተፉ 102 ተመሃሮ ተመሪቖም። እቲ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዝተዋህበ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና፡ መሰረታዊ ኮምፕዩተር፡...

Login

Categories